2 ዜና መዋእል
16 ኣብ መበል 36 ዓመት ንግስና ኣሳ፡ ባዕሳ+ ንጉስ እስራኤል ኣንጻር ይሁዳ ደዪቡ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኸይወጽእን ናብኡ ኸይኣቱን ኢሉ፡ ንራማ+ ኺሰርሓ* ጀመረ።+ 2 ኣሳ ድማ ካብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን ብሩርን ወርቅን ኣውጺኡ+ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዚቕመጥ ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኸሉ፦+ 3 “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣብ መንጎ ኣቦኻን ውዕል* ኣሎ። እዚ ብሩርን ወርቅን እሰድደልካ ኣለኹ። ካባይ ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ንዓ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ውዕል* ኣፍርሶ።”
4 ቤን-ሃዳድ ድማ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ኣንጻር ከተማታት እስራኤል ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ንዒዮንን+ ንዳንን+ ንኣቤል-ማይምን ንዅሉ መኽዘን ከተማታት ንፍታሌምን ወቕዑ።+ 5 ባዕሳ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንራማ ምስራሕ* ሓደገ፡ ነቲ ዕዮኡ ድማ ገደፎ። 6 ሽዑ፡ ንጉስ ኣሳ ንዅሉ ይሁዳ ወሰደ፣ ነቲ ባዕሳ ንራማ+ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጫውን ወሲዱ ድማ፡+ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕን+ ንሚጽጳን+ ሰርሐን።*
7 በታ ግዜ እቲኣ፡ ሓናኒ+ እቲ ረኣዪ ናብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ መጺኡ ኸምዚ በሎ፦ “ብንጉስ ሶርያ ስለ እተኣመንካ፡* ብየሆዋ ኣምላኽካ ኸኣ ስለ ዘይተኣመንካ፡* ሰራዊት ንጉስ ሶርያ ኻብ ኢድካ ኣምሊጡ እዩ።+ 8 ኢትዮጵያውያንን ሊብያውያንንዶ ግዳ ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ኣዝዩ ዓብዪ ሰራዊት ኣይነበሩን፧ ብየሆዋ ስለ እተኣመንካ ግና፡ ንሱ ንዓታቶም ኣብ ኢድካ ሂቡካ።+ 9 ኣዒንቲ የሆዋስ፡ ስለ እቶም ልቦም ምሉእ ብምሉእ ናብኡ* ዝዀነ ብርታዐኡ* ምእንቲ ኼርኢ፡ ኣብ ብዘላ ምድሪ እየን ዚዞራ።+ ኣብዝስ ዕሽነት ኢኻ ዝገበርካ፣ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ውግእ ኪልዓለካ እዩ።”+
10 ግናኸ፡ ኣሳ በቲ ረኣዪ ዀረየ፣ በዚ ነገር እዚ ስለ ዝነደረ ኸኣ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ* ኣእተዎ። በታ ግዜ እቲኣ ድማ፡ ኣሳ ንገለ ኻብቶም ህዝቢ ገፍዖም። 11 ታሪኽ ኣሳ ኸኣ፡ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ፡ ኣብ መጽሓፍ ነገስታት ይሁዳን እስራኤልን ተጻሒፉ ኣሎ።+
12 ኣሳ ድማ ኣብ መበል 39 ዓመት ንግስናኡ ኣእጋሩ ሓመመ፡ ሕማሙ ኸኣ ኣዝዩ በርትዖ፣ ግናኸ፡ ምስ ሓመመ እኳ ንፈወስቲ እምበር፡ ንየሆዋ ኣይደለዮን። 13 ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፣+ ኣብ መበል 41 ዓመት ንግስናኡ እውን ሞተ። 14 ኣብቲ ኣብ ከተማ ዳዊት+ ንርእሱ ዘዅዓቶ ዓብዪ መቓብር ከኣ ተቐብረ፣ ዘይቲ በለሳንን እተፈላለየ ዓይነት ቀመማት ተሓዋዊሱ ብፍሉይ እተገብረ ቕብእን ኣብ ዝመልአ ዓራት ኣንበርዎ።+ ምእንታኡ ድማ ኣዝዩ ዓብዪ ናይ ቀብሪ ስነ ስርዓት ምንዳድ ገበሩ።*