ዘፍጥረት
16 ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ፡ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት፣+ ኣጋር ዝስማ ግብጻዊት ገረድ ድማ ነበረታ።+ 2 ስለዚ፡ ሳራይ ንኣብራም፡ “በጃኻ ስምዓኒ! ከይወልድ የሆዋ ኸልኪሉኒ እዩ። በጃኻ ናብ ገረደይ እቶ። ምናልባት ብእኣ ውሉዳት እረክብ እኸውን” በለቶ።+ ኣብራም ድማ፡ ቃል ሳራይ ሰምዐ። 3 ኣብራም ኣብ ምድሪ ከነኣን ዓሰርተ ዓመት ምስ ገበረ፡ ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ንኣጋር እታ ግብጻዊት ገረዳ ወሲዳ፡ ንሰብኣያ ኣብራም፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ሃበቶ። 4 ንሱ ድማ ናብ ኣጋር ኣተወ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት። ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት፡ ንእመቤታ ነዓቐታ።
5 ሳራይ ድማ ንኣብራም፡ “እዚ ኣባይ እተገብረ ዓገብ፡ ናትካ ጌጋ እዩ። ኣነ እየ ንገረደይ ኣብ ሕቝፍኻ ዝሃብኩኻ፣ ከም ዝጠነሰት ምስ ፈለጠት ከኣ ንዒቓትኒ። የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ” በለቶ። 6 ኣብራም ድማ ንሳራይ፡ “እንሆ፡ ገረድኪ ኣብ ኢድኪ እያ። ጽቡቕ ኰይኑ እተራእየኪ ግበርያ” በላ። ሽዑ፡ ሳራይ ኣዋረደታ፣ ንሳ እውን ካብኣ ሃደመት።
7 መልኣኽ የሆዋ ኸኣ ኣብ ጥቓ እቲ ኣብ በረኻ ዘሎ ዓይኒ ማይ፡ ኣብ ጥቓ እታ ኣብ መገዲ ሹር ዘላ ዓይኒ ማይ ረኸባ።+ 8 “ኣጋር ገረድ ሳራይ፡ ካበይ መጺእኪ፧ ናበይከ ትኸዲ ኣለኺ፧” ድማ በላ። ንሳ ኸኣ፡ “ካብ እመቤተይ ሳራይ እሃድም ኣለኹ” በለት። 9 መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ “ናብ እመቤትኪ ተመለሲ፡ ኣብ ትሕቲ ኢዳ ኸኣ ትሕት በሊ” በላ። 10 መልኣኽ የሆዋ ድማ፡ “ንዘርእኺ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ኪቝጸር ክሳዕ ዘይከኣል ኣዝየ ኸብዝሖ እየ” በላ።+ 11 ብተወሳኺ እውን፡ መልኣኽ የሆዋ፡ “እንሆ ጥንስቲ ኢኺ፣ ወዲ እውን ክትወልዲ ኢኺ፣ የሆዋ ጸበባኺ ሰሚዑ ኣሎ እሞ፡ ስሙ እስማኤል* ኣውጽእሉ። 12 ንሱ ኸም ኣድጊ በረኻ* ዝበለ ሰብ ኪኸውን እዩ። ኢዱ ኣንጻር ኵሉ፡ ኢድ ኵሉ ድማ ኣንጻሩ ኽትከውን እያ፣ ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ* ኸኣ ኪቕመጥ እዩ” በላ።
13 ንሳ ድማ፡ “ነቲ ዚርእየንስ ብሓቂዶ ኣብዚ ርእየዮ እየ፧” ኢላ፡ ስም እቲ ዚዛረባ ዝነበረ የሆዋ ጸዊዓ፡ “ኣታ ዚርኢ* ኣምላኽ”+ በለት። 14 ስለዚ ኸኣ እያ እታ ዒላ ብኤር-ለሓይ-ሮይ* እተባህለት። (ንሳ ኣብ መንጎ ቃዴስን ቤሬድን ኣላ።) 15 ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ፣ ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።+ 16 በቲ ኣጋር ንኣብራም፡ እስማኤል ዝወለደትሉ ግዜ፡ ኣብራም ወዲ 86 ዓመት ኰይኑ ነበረ።