እዮብ
35 ኤሊሁ ድማ ወሲኹ ኸምዚ ኢሉ መለሰ፦
3 ከመይሲ፡ ‘እዚ እንታይ ይግድሰካ፧*
ካብቲ እንተ ዝሓጥእ ዝረኽቦዶ ዚሓይሽ እረክብ እየ፧’ ትብል ኢኻ።+
4 ኣነ ኽምልሰልካ፡
ምሳኻ እውን ንብጾትካ።+
5 ናብ ሰማይ ጠምት እሞ ርአ፣
ነቲ ኻባኻ ልዒሉ ዘሎ ደበናታት ተዓዘብ።+
6 እንተ ሓጢእካስ፡ ከመይ ጌርካ ኢኻ እትጐድኦ፧+
ኣበሳኻ እንተ በዝሐኸ፡ እንታይ ኢኻ እትገብሮ፧+
7 ጻድቕ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ኢኻ እትህቦ፧
ካባኻስ እንታይ እዩ ዚቕበል፧+
8 እከይካ ንኸምዚ ኸማኻ ሰብ ጥራይ እዩ ዚጸሉ፣
ጽድቅኻ ኸኣ ንወዲ ሰብ።
12 ሰባት የእውዩ፣
ንሱ ግና ብሰንኪ ትዕቢት እኩያት ኣይምልሰሎምን።+
14 ከም ዘይትርእዮ ምስ ጠራዕካ ደኣ ዝገደደ ደይከውንን!+
ጕዳይካ ኣብ ቅድሚኡ ኣሎ፣ ስለዚ፡ ብሃንቀውታ ተጸበዮ።+
16 እዮብ ብኸንቱ ኣፉ ይኸፍት፡
ብዘይ ፍልጠት ከኣ ዘረባ የብዝሕ ኣሎ።”+