መዝሙር
ናይ ዳዊት መዝሙር።
29 ኣቱም ደቂ ሓያላት፡ ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ፣
ስለቲ ኽብሩን ብርታዐኡን ንየሆዋ ዚግብኦ ሃብዎ።+
2 ንየሆዋ እቲ ንስሙ ዚግብኦ ኽብሪ ሃብዎ።
3 ድምጺ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ማያት ተሰሚዑ፣
እቲ ኽቡር ኣምላኽ ኣንጐድጒዱ።+
የሆዋ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ማያት እዩ።+
4 ድምጺ የሆዋ ሓያል እዩ፣+
ድምጺ የሆዋ ግሩም እዩ።
5 ድምጺ የሆዋ ንቄድሮሳት ይሰብሮ ኣሎ፣
እወ፡ የሆዋ ንቄድሮሳት ሊባኖስ ይሰባብሮ።+
7 ድምጺ የሆዋ ብሃልሃልታ ሓዊ ይወቅዕ።+
9 ድምጺ የሆዋ ንእራብ የንቀጥቅጣን የውልዳን፣
ንዱር ከኣ ቃልዕ ይገብሮ።+
ኣብ መቕደሱ ዘሎ ዅሉ እውን፡ “ክብሪ!” ይብል።
11 የሆዋ ንህዝቡ ብርታዐ ኺህቦ እዩ።+
የሆዋ ንህዝቡ ብሰላም ኪባርኾ እዩ።+