ንኣላዪ። መስኪል። ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ መጺኡ ንሳኦል፡ ዳዊት ናብ ቤት ኣሒሜሌክ መጺኡ ኸም ዝነበረ ምስ ነገሮ፡ ዳዊት ዝዘመሮ።+
52 ኣታ ጅግና፡ ስለምንታይ ኢኻ ብእከይ ግብርታትካ እትምካሕ፧+
ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ንምሉእ መዓልቲ እዩ።+
2 እታ ኸም መላጸ በላሕ ዝዀነት ልሳንካ+
ኽፉእ ትሓስብ፡ ምትላል ከኣ ትገብር።+
3 ካብ ሰናይሲ እከይ፡
ካብ ቅኑዕ እውን ሓሶት ትፈቱ ኢኻ። (ሴላ)
4 ኣቲ መታለሊት ልሳን፡
ኵሉ ጐዳኢ ቓል ትፈትዊ።
5 ስለዚ እዩ ኣምላኽ ሓንሳእን ንሓዋሩን ዜጥፍኣኪ፣+
ኪምንዝዓክን ካብ ድንኳንኪ ኺምንጭተክን እዩ።+
ካብ ምድሪ ህያዋን ኪምሕወኪ እዩ።+ (ሴላ)
6 ጻድቃን ነዚ ኺርእዩን ኪፈርሁን፡+
ብእኡ ድማ ኪስሕቁ እዮም።+
7 “ንኣምላኽ መዕቈቢኡ ዘይገበሮ፡+
የግዳስ፡ ብብዝሒ ሃብቱ እተኣመነ፡+
ኣብ እኩይ ውዲታቱ ኸኣ እተጸግዐ ሰብ እንሀ።”
8 ኣነ ግና ኣብ ቤት ኣምላኽ ልሙዕ ኦም ኣውልዕ ክኸውን እየ፣
እምንቶይ ንዘለኣለመ ኣለም ኣብቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እዩ።+
9 ስጕምቲ ስለ ዝወሰድካ፡ ንዘለኣለም ክውድሰካ እየ፣+
ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሚ እሙናትካ
ብስምካ ተስፋ ኽገብር እየ።+