መዝሙር
ኣብ በረኻ ይሁዳ ኸሎ፡ ዳዊት ዝዘመሮ መዝሙር።+
63 ኦ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ፡ እደልየካ ኣለኹ።+
2 ስለዚ፡ ኣብ መቕደስ ጠሚተካ፡
ብርታዐኻን ክብርኻን ድማ ርእየ።+
4 ስለዚ፡ ምሉእ ህይወተይ ክውድሰካ እየ፣
ብስምካ ኣእዳወይ ከልዕል እየ።
9 እቶም ንህይወተይ ኬጥፍእዋ* ዚደልዩ ግና፡
ናብ መዓሙቝ ምድሪ ኺወርዱ እዮም።
10 ናብ ሓይሊ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ኺውሃቡ እዮም።
ቀለብ ወኻሩ* ኪዀኑ እዮም።
11 ንጉስ ግና ብኣምላኽ ኪሕጐስ እዩ።
ኣፍ እቶም ሓሶት ዚዛረቡ ኺዕበስ እዩ እሞ፡
ብእኡ ዚምሕል ዘበለ ዅሉ ኺፍሳህ* እዩ።