መዝሙር
81 ንኣምላኽ፡ ነቲ ብርታዐና፡ እልል በሉሉ።+
ንኣምላኽ ያእቆብ ጭድርታ ዓወት ጨድሩሉ።
2 ሙዚቃ ጀምሩ፡
ከበሮን ጥዑም መሰንቆ* ምስ በገናን ውሰዱ።
4 እዝስ ናይ እስራኤል ስርዓት፡
ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ብይን እዩ።+
ዘይፈልጦ ድምጺ* ኸምዚ ኺብል ሰማዕኩ፦
6 “ካብ መንኵቡ ጾር ኣልዓልኩ፣+
ኣእዳዉ ኻብ ከፈር ሓራ ዀና።
8 ኣታ ህዝበይ፡ ስማዕ፡ ኣነ ድማ ኣንጻርካ ኽምስክር እየ።
ኦ እስራኤል፡ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ!+
9 ኣብ መንጎኻ፡ ካልእ ኣምላኽ ኣይኪኸውንን፡
ንጓና ኣምላኽ እውን ኣይክትሰግድን ኢኻ።+
10 ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ
ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽካ እየ።+
ኣፍካ ሃህ ኣብል፡ ኣነ ድማ ክመልኦ እየ።+
11 ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣
እስራኤል ከኣ ኪግዝኣኒ ኣይፈተወን።+
13 ኣየ፡ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ!+
ኣየ፡ እስራኤል ብመገድታተይ እንተ ዚመላለስ!+
14 ንጸላእቶም ቀልጢፈ መንበርከኽክዎም፣
ኢደይ ኣንጻር ተጻረርቶም ምገበርኩ።+
15 እቶም ንየሆዋ ዚጸልእዎ፡ ኣብ ቅድሚኡ ሸቘጥቈጥ ኪብሉ፡
መወዳእታኦም* ዘለኣለማዊ ኪኸውን እዩ።