መዝሙር
ማህሌት። ናይ ደቂ ቆራሕ መዝሙር።+ ንኣላዪ፣ ብቕዲ ማሓላት* እናተቓባበልካ ዚዝመር። ናይ ሄማን+ እቲ እዝራሓዊ መስኪል።*
6 ኣብ ዝተሓተ ጕድጓድ፡
ኣብ ጸልማት፡ ኣብ ዓብዪ መዓሙቝ ኣንቢርካኒ።
7 ነድርኻ ይኸብደኒ ኣሎ፣+
ብዚጻፋዕ ማዕበላትካ ውሒጥካኒ። (ሴላ)
8 ንፈለጥተይ ካባይ ኣርሒቕካዮም፣+
ኣባታቶም ፍንፉን ጌርካኒ።
ተቐርቂረ፡ ከምልጥ እውን ኣይክእልን እየ።
9 ኣዒንተይ ብጸበባይ ደኺመን ኣለዋ።+
ኦ የሆዋ፡ ምሉእ መዓልቲ እጽውዓካ ኣለኹ፣+
ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ ኣለኹ።
10 ንምዉታትዶ ተኣምራት ትገብረሎም ኢኻ፧
ብሞት እተሰነፉኸ ተንሲኦምዶ ይውድሱኻ እዮም፧+ (ሴላ)
11 ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻ ኣብ መቓብር፡
ተኣማንነትካ እውን ኣብ ቦታ ጥፍኣትዶ* ይንገር እዩ፧
12 ተኣምራትካ ኣብ ጸልማት፡
ወይስ ጽድቅኻ ኣብ ምድሪ ርሳዐዶ ይፍለጥ እዩ፧+
ስለምንታይሲ ገጽካ ትኽውለለይ፧+
16 እቲ ዚነድድ ቍጥዓኻ ውሒጡኒ፡+
ሽበራታትካ እውን ኣጥፊኡኒ ኣሎ።
17 ምሉእ መዓልቲ ኸም ማያት ከቢቡኒ፡
ብዅሉ ሸነኽ* ድማ ዓጽዩኒ ኣሎ።
18 ንፈተውተይን ንብጾተይን ካባይ ኣርሒቕካዮም፣+
ጸልማት ከኣ ብጻየይ ኰይኑ ኣሎ።