93 የሆዋ ነጊሱ!+
ግርማ ለቢሱ፣
የሆዋ ብርታዐ ለቢሱ፣
ከም ዕጣቕ ተዓጢቕዎ።
2 ዝፋንካ ኻብ ጥንቲ ጽኑዕ እዩ፣+
ንስኻ ኻብ ዘለኣለም ኢኻ።+
3 ኦ የሆዋ፡ ኣፍላግ ተላዒሎም፣
ኣፍላግ ተላዒሎም ደሃዮም ኣልዒሎም፣
ኣፍላግ ይልዓሉን ይሃምሙን ኣለዉ፣
4 ካብ ደሃይ ብዙሕ ማያት፡
ካብ ዚጻፋዕ ብርቱዕ ማዕበላት ባሕሪ፡+
የሆዋ ኣብ ላዕሊ ይብርትዕ።+
5 መዘኻኸሪታትካ ኣዝዩ እሙን እዩ።+
ኦ የሆዋ፡ ቅድስና ንቤትካ ንሓዋሩ ሰሊምዋ።+