መዝሙር
ንኣላዪ። ናይ ዳዊት። መዝሙር።
2 ድዋሕዋሕ ካብ ዚብል ጕድጓድ፡
ካብ ረግረግ ጸብሪ ኣውጺኡኒ።
ንኣእጋረይ ኣብ ከውሒ ኣቚምወን፣
ንስጕምትታተይ ከኣ ኣጽኒዕወን።
3 ንኣምላኽና ውዳሰ ዚኸውን
ሓድሽ መዝሙር ድማ ኣብ ኣፈይ ኣንቢሩ።+
ብዙሓት እዚ ርእዮም ኪፈርሁ፡
ብየሆዋ ኸኣ ኪእመኑ* እዮም።
ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይሓተትካን።+
7 ሽዑ፡ ኣነ ኸምዚ ኢለ፦ “እነኹ፡ መጺአ።
ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ።+
9 ኣብ ዓብዪ ኣኼባ ብስራት ጽድቂ ኣበሲረ።+
ኦ የሆዋ፡ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጦ፡
እንሆ፡ ከናፍረይ ኣይገታእኩን።+
10 ንጽድቅኻ ኣብ ውሽጢ ልበይ ኣይከወልክዎን።
ተኣማንነትካን ድሕነትካን እነግር እየ።
ብተኣማንነት እተርእዮ ፍቕርኻን ሓቅኻን ኣብ ዓብዪ ጉባኤ ኣይሓባእኩን።”+
11 ኦ የሆዋ፡ ምሕረትካ ኣይትኽልኣኒ።
ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕርኻን ሓቅኻን ወትሩ ይሓልዋኒ።+
12 ምቝጻሩ ዘይከኣል መዓት ከቢቡኒ።+
መገደይ ምርኣይ ክሳዕ ዝስእን፡ እቲ ኣዝዩ ብዙሕ ስሕተተይ ውሒጡኒ።+
ካብ ጸጕሪ ርእሰይ ይበዝሕ እዩ እሞ፡
ልበይ ጠፊኡኒ ኣሎ።
13 ኦ የሆዋ፡ በጃኻ ንምድሓነይ ፍቓደኛ ኹን።+
ኦ የሆዋ፡ ንምርዳአይ ቀልጥፍ።+
14 ኵሎም እቶም ንህይወተይ* ኬጥፍእዋ ዚደልዩ፡
ይሕፈሩን ይዋረዱን።
እቶም ብመዓተይ ደስ ዚብሎም፡
ናብ ውርደት የንሳሕቡ።
15 እቶም “ኣሰይ! ኣሰይ!” ዚብሉኒ፡
ብሰሪ ሕፍረቶም ይሰምብዱ።
እቶም ግብርታት ድሕነትካ ዚፈትዉ ኸኣ፡
ወትሩ፡ “የሆዋ ይዕበ” ይበሉ።+
17 ኣነ ግና ረዳኢ ኣልቦን ድኻን እየ፣
የሆዋ ደኣ የቕልበለይ።