ሆሴእ
1 ብዘመን ዑዝያን+ ዮታምን+ ኣሓዝን+ ህዝቅያስን+ እቶም ነገስታት ይሁዳን+ ብዘመን የሮብዓም+ ወዲ ዮኣስ+ ንጉስ እስራኤልን፡ ንሆሴእ* ወዲ ብኤሪ ዝመጾ ቓል የሆዋ እዚ እዩ። 2 የሆዋ ብሆሴእ ኣቢሉ ቓሉ ኺዛረብ ምስ ጀመረ፡ የሆዋ ንሆሴእ፡ “እዛ ምድሪ ብምንዝርናኣ ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ጠሪሳ ርሒቓ ኣላ እሞ፡ ኪድ ሰበይቲ ምንዝርና ተመርዖ፡ ውሉዳት ምንዝርና እውን ይሃልዉኻ” በሎ።+
3 ስለዚ፡ ንሱ ኸደ እሞ፡ ንጎሜር ጓል ዲብላይም ተመርዓዋ፣ ንሳ ኸኣ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደትሉ።
4 ሽዑ፡ የሆዋ ኸምዚ በሎ፦ “ድሕሪ ቝሩብ ግዜ ንቤት የሁ+ በቲ ምፍሳስ ደም ይዝርኤል* ተሓታቲት ክገብራ፡ ንመንግስቲ ቤት እስራኤል እውን መወዳእታ ኽገብረላ እየ እሞ፡ ይዝርኤል ኢልካ ስመዮ።+ 5 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ቀስቲ እስራኤል ኣብ ስንጭሮ* ይዝርኤል ክሰብር እየ።”
6 ከም ብሓድሽ ድማ ጠነሰት፡ ጓል እውን ወለደት። ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎ፦ “ንቤት እስራኤል ብርግጽ ክሰጕጎም እየ እምበር፡+ ደጊም ኣይክምሕሮምን እየ እሞ፡ ሎ-ሩሓማ* ኢልካ ስመያ።+ 7 ንቤት ይሁዳ ግና ክምሕሮም እየ፣+ ብየሆዋ ኣምላኾም ከኣ እየ ዘድሕኖም እምበር፡+ ብቐስቲ፡ ወይ ብሰይፊ፡ ወይ ብውግእ፡ ወይ ብኣፍራስ፡ ወይ ብፈረሰኛታት ኣይከድሕኖምን እየ።”+
8 ንሎ-ሩሓማ ጡብ ምስ ኣሕደገታ ድማ፡ ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት። 9 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን፡ ኣነ እውን ናታትኩም ኣይክኸውንን እየ እሞ፡ ሎ-ዓሚ* ኢልካ ስመዮ።
10 “ቍጽሪ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ከምቲ ኺስፈር ወይ ኪቝጸር ዘይከኣል ሑጻ ባሕሪ ኪኸውን እዩ።+ ኣብታ፡ ‘ንስኻትኩም ህዝበይ ኣይኰንኩምን’ እተባህለትሎም ቦታ ድማ፡+ ‘ደቂ እቲ ህያው ኣምላኽ’ ኪብሃሉ እዮም።+ 11 መዓልቲ ይዝርኤል ዓባይ ክትከውን እያ እሞ፡+ ህዝቢ ይሁዳን ህዝቢ እስራኤልን ብሓድነት ኪእከቡ፡+ ሓደ ርእሲ ድማ ኪሓርዩ፡ ካብታ ምድሪ እውን ኪወጹ እዮም።