ዘሁልቍ
25 እስራኤል ኣብ ሺጢም ተቐሚጡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡+ እቲ ህዝቢ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ።+ 2 ንሳተን ከኣ ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ዓደማኦ፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዐ፡ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ።+ 3 እስራኤል ከኣ ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ሓበረ፣+ ቍጥዓ የሆዋ ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ። 4 የሆዋ ኸኣ ንሙሴ፡ “እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኻብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንዅሎም መራሕቲ* እዚ ህዝቢ እዚ ወሲድካ፡ ቀትሪ ምድሪ* ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቐሎም” በሎ። 5 ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡+ “ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ኣብ ኣምልኾ በዓል ጴዖር* ዝሓበሩ ሰቡ ይቕተል” በሎም።+
6 ሽዑሽዑ ግና፡ ሓደ ኻብ እስራኤላውያን፡ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ እስራኤላውያንን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ እናበኸዩ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽአ።+ 7 ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረኣዮ፡ ብኡብኡ ኻብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስአ፡ ኲናት* እውን ኣብ ኢዱ ወሰደ። 8 ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ናብቲ ድንኳን ኣትዩ ኸኣ፡ ንኽልቲኦም፡ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን፡—ንዓኣ ኣብ ረቃቒቶኣ፡—ወግኦም። ሽዑ፡ እቲ ኣብ እስራኤላውያን ዚወርድ ዝነበረ መቕዘፍቲ ደው በለ።+ 9 እቶም በቲ መቕዘፍቲ ዝሞቱ ኸኣ፡ 24,000 ኰኑ።+
10 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 11 “ፊንሃስ+ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ንዓይ ዚቀናቐን ከቶ ብዘይምጽዋሩ፡ ቍጥዓይ ካብ ህዝቢ እስራኤል መሊስዎ እዩ።+ ስለቲ ንበይነይ ዝደልዮ ተወፋይነት ኢለ ድማ ንእስራኤላውያን ኣየጽነትክዎምን።+ 12 ስለዚ፡ ከምዚ በል፦ ‘ንዕኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ ኣለኹ። 13 ንኣምላኹ ዚቀናቐን ስለ ዘይተጻወረን+ ንእስራኤላውያን ስለ ዘተዓረቖምን፡ እዚ ንዕኡን ንዘርኡ ድማ ብድሕሪኡን ኪዳን ናይ ሓዋሩ ኽህነት ይኹን።’”+
14 ስም እቲ ምስታ ሚድያናዊት እተቐትለ እስራኤላዊ ሰብኣይ፡ ዚምሪ ወዲ ሳሉ ነበረ፣ ሹም ማይ ቤት ስምኦናውያን ከኣ ነበረ። 15 ስም እታ እተቐትለት ሚድያናዊት ሰበይቲ ድማ፡ ኩዝቢ ጓል ጹር ነበረ፣+ ንሱ ኸኣ ኣብ ሚድያን መራሒ እንዳታት ማይ ቤት ነበረ።+
16 የሆዋ ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፦ 17 “ንሚድያናውያን ኣጨንቕዎምን ውቕዕዎምን፣+ 18 ከመይሲ፡ ብነገር ጴዖርን+ ብነገር እታ ብዛዕባ ጴዖር መቕዘፍቲ ኣብ ዝወረደላ መዓልቲ+ እተቐትለት ኩዝቢ ሓብቶም ጓል ሹም ሚድያንን፡+ ብተንኰሎም ኣጨኒቖምኹም እዮም።”