ኢሳይያስ
56 የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
3 ምስ የሆዋ ዚሓብር ጓና፡+
‘የሆዋ ብርግጽ ካብ ህዝቡ ኺፈልየኒ እዩ’ ኣይበል።
ስሉብ ከኣ፡ ‘እንሆ፡ ኣነ ንቑጽ ኦም እየ’ ኣይበል።”
4 የሆዋስ ነቶም ንሰናብተይ ዚሕልውዎን ንዓይ ደስ ዚብለኒ ዚሓርዩን ንኺዳነይ ኣጽኒዖም ዚሕዙን ስሉባት ከምዚ ይብል፦
5 “ንዓታቶም ኣብ ቤተይን ኣብ ውሽጢ መናድቐይን
ካብ ኣወዳትን ኣዋልድን ዚበልጽ ሓወልትን ስምን ክህቦም እየ።
ዘይጠፍእ ናይ ዘለኣለም ስም
ክህቦም እየ።
6 እቶም ኬገልግልዎ፡
ንስም የሆዋ ኼፍቅሩ፡+
ገላዉኡ ድማ ኪዀኑ ኢሎም ምስ የሆዋ ዚሓብሩ ጓኖት፡
ኵሎም እቶም ንሰንበት ዚሕልውዋን ዘየርክስዋን፡
ኪዳነይ ከኣ ኣጽኒዖም ዚሕዙ፡
ኣብ ቤት ጸሎተይ ድማ ከሐጕሶም እየ።
እቲ ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእቶምን መስዋእቲ ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ።
ቤተይሲ ንዅሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ክትብሃል እያ።”+
8 እቲ ተበቲኖም ንዘለዉ እስራኤል ዚእክብ+ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ኸምዚ ይብል፦
“ብዘይካ እቶም ተኣኪቦም ዘለዉ፡ ካልኦት ናብኡ ኽእክብ እየ።”+
9 ኣቱም እንስሳታት መሮር ኵላትኩም፡
ኣቱም እንስሳታት ዱር ኵላትኩም፡ ክትበልዑ ንዑ።+
10 ሓለውቱ ዕዉራት እዮም፣+ ዋላ ሓዲኦም ኣየስተብሃሉን።+
ኵላቶም ዓባሳት፡ ኪነብሑ ዘይክእሉ ኣኽላባት እዮም።+
ይልህልሁን በጥ ይብሉን ኣለዉ፣ ትኻስ ይፈትዉ እዮም።
11 ብርቱዕ ሸውሃት ዘለዎም* ኣኽላባት እዮም፣
ከቶ ኣይጸግቡን እዮም።
ኣእምሮ ዘይብሎም ጓሶት እዮም።+
ኵላቶም መመገዶም ከዱ፣
ነፍሲ ወከፎም ንርእሱ ዘይግቡእ ረብሓ ይደሊ፡ ከምዚ እውን ይብል፦
12 “ወይኒ ኸምጽእ እየ እሞ ንዑ፣
ኣልኮላዊ መስተ ኽሳዕ ዚኣኽለና ንስተ።+
ጽባሕ ከም ሎሚ ኪኸውን፡ አረ ኣዝዩ ዝሓሸ እውን ኪኸውን እዩ!”