ዮናስ
3 ሽዑ፡ ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ናብ ዮናስ ካልኣይ ሳዕ መጸ፦+ 2 “ተንስእ፡ ናብ ነነዌ+ እታ ዓባይ ከተማ ኼድካ፡ እቲ ዝነግረካ መልእኽቲ ኣውጀላ።”
3 ዮናስ ከኣ ንቓል የሆዋ ተኣዚዙ፡+ ተንሲኡ ናብ ነነዌ ኸደ።+ ነነዌ ድማ ኣዝያ ዓባይ ከተማ፡* መገዲ ሰለስተ መዓልቲ ነበረት። 4 ሽዑ፡ ዮናስ ናብታ ኸተማ ኣተወ፣ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ እናኸደ ድማ፡ “ኣብ 40 መዓልቲ፡ ነነዌ ኽትግልበጥ እያ” ኢሉ ኣወጀ።
5 ሰብ ነነዌ ኸኣ ብኣምላኽ ኣመኑ፣+ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓብዪኦም ክሳዕ ንእሽቶኦም እውን ማቕ ተኸድኑ። 6 እዚ መልእኽቲ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ ምስ በጽሐ፡ ካብ ዝፋኑ ተንስአ፡ ባርኖሱ ቐንጠጠ፡ ማቕ ተኸድነ፡ ኣብ ሓምዅሽቲ እውን ተቐመጠ። 7 ኣብ ብዘላ ነነዌ ኸኣ ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ኣውጽአ፦
“ብትእዛዝ ንጉስን ልዑላኑን፦ ሰብ ኰነ እንስሳ፡ ከብቲ ዀነ ጤለ በጊዕ፡ ሓንቲ እኳ ኣይጥዓሙ፡ ኣይብልዑ፡ ማይ እውን ኣይስተዩ። 8 ሰብን እንስሳን ማቕ ይከደኑ፣ ናብ ኣምላኽ ይማህለሉ፣ ካብ እኩይ መገድታቶምን ካብ ተግባር ዓመጻኦምን እውን ይመለሱ። 9 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ነቲ ኺገብሮ ዝሓለኖ ዳግም እንተ ሓሰበሉ* እሞ ኸይንጠፍእ ካብ ዚነድድ ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ፡ መን ይፈልጥ፧”
10 እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ፡ ካብ እኩይ መገድታቶም ከመይ ከም እተመልሱ ግብሮም ምስ ረኣየ፡+ ነቲ ኼምጽኣሎም ኢልዎ ዝነበረ መዓት ዳግም ሓሰበሉ፣* ኣየምጽኣሎምን እውን።+