መዝሙር ምድያብ። ናይ ሰሎሞን።
127 የሆዋ ንቤት እንተ ዘይሃኒጽዋ፡
ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩላ።+
የሆዋ ንኸተማ እንተ ዘይሓልይዋ፡+
ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።
2 ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፡
ኣምሲኹም ምድቃስኩም፡
ንእንጌራ ምጽዓርኩም ከንቱ እዩ፣
ንሱስ ንፍቑራቱ ድቃስ ሂብዎም ከሎ እውን ይናብዮም እዩ።+
3 እንሆ፡ ውሉዳት ካብ የሆዋ እተዋህቡ ርስቲ እዮም፣+
ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።+
4 ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻታት፡
ውሉዳት ንእስነት ከምኡ እዮም።+
5 ጕልድባኡ ብኣታቶም ዝመልአ ሰብኣይ ሕጉስ እዩ።+
ኣብ ኣፍ ደገ ኸተማ ምስ ጸላእቲ ኺዛረቡ እዮም እሞ፡
ኣይኪሓፍሩን እዮም።