ማርቆስ
2 ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ግና፡ ከም ብሓድሽ ናብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ፡ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዐ።+ 2 ኣብቲ ጥቓ ኣፍ ደገ እኳ ቦታ ኽሳዕ ዚስእኑ ድማ፡ ብዙሓት ተኣከቡ፣ ንሱ ኸኣ ቃል ነገሮም።+ 3 ብኣርባዕተ እተጾረ ልሙስ ድማ ኣምጽኡሉ።+ 4 ብሰንኪ እቲ ህዝቢ ናብ የሱስ ኪቐርቡ ስለ ዘይከኣሉ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እታ ዝነበራ ቦታ ናሕሲ ኣፍሪሶም፡ ከፋት ምስ ገበሩ፡ ነቲ ቓሬዛ ምስቲ ኣብኣ ደቂሱ ዝነበረ ልሙስ ኣውረድዎ። 5 የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡+ ነቲ ልሙስ፡ “ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ።+ 6 ገለ ኻብ ጸሓፍቲ ድማ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ እሞ፡ ብልቦም ከምዚ ኢሎም ሓሰቡ፦+ 7 “እዚ ስለምንታይ ከምዚ ይብል ኣሎ፧ ይጻረፍ ኣሎ። ብዘይካ ሓደ ኣምላኽ፡ መን ሓጢኣት ኪሓድግ ይኽእል፧”+ 8 የሱስ ግና፡ ከምኡ ኢሎም ይሓስቡ ኸም ዘለዉ ብኡብኡ ብመንፈሱ ኣስተውዒሉ፡ “ስለምንታይ ብልብኹም እዚ ትሓስቡ ኣለኹም፧+ 9 ኣየናይ ይቐልል፧ ነዚ ልሙስ፡ ‘ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ’ ምባልዶ፡ ወይስ፡ ‘ተንስእ እሞ ቓሬዛኻ ኣልዒልካ ኺድ’ ምባል፧ 10 ወዲ ሰብ+ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ ግና፡—”+ ኢሉ ነቲ ልሙስ፡ 11 “ተንስእ፡ ቃሬዛኻ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ እብለካ ኣለኹ” በሎ። 12 ሽዑ፡ ንሱ ተንስአ፡ ብኡብኡ ቓሬዛኡ ኣልዒሉ ድማ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ወጸ። ስለዚ፡ ኵላቶም ኣስተንከሩ፣ “ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይረኣናን” እናበሉ እውን ንኣምላኽ ኣሞገስዎ።+
13 ከም ብሓድሽ፡ ናብ ጥቓ ባሕሪ ወጸ፣ ኵሎም ህዝቢ እውን ናብኡ ይመጹ ነበሩ፣ ንሱ እውን መሃሮም። 14 ኪሓልፍ ከሎ ግና፡ ንሌዊ ወዲ እልፍዮስ፡ ኣብ መደበር ቀረጽ ተቐሚጡ ረኣዮ እሞ፡ “ሰዓብየይ ኩን” በሎ። ንሱ ድማ ተንሲኡ ሰዓቦ።+ 15 ደሓር፡ የሱስ ኣብ እንዳ ሌዊ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ብዙሓት ይስዕብዎ ነበሩ እሞ፡ ብዙሓት ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን እውን ምስኡን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ኣብ መኣዲ ተቐመጡ።+ 16 ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ግና፡ ምስ ሓጥኣንን ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ኪበልዕ ከሎ ምስ ረኣይዎ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ምስ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንንዶ ይበልዕ እዩ፧” በልዎም። 17 የሱስ እዚ ሰሚዑ፡ “ሓኪም ንሕሙማት ደኣ እምበር፡ ንጥዑያት ኣየድልዮምን እዩ። ኣነ ንጻድቃን ዘይኰነስ፡ ንሓጥኣን እየ ኽጽውዕ መጺአ” በሎም።+
18 ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ፈሪሳውያንን ድማ ይጾሙ ነበሩ። መጺኦም ከኣ፡ “ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስን ደቀ መዛሙርቲ ፈሪሳውያንን ዚጾሙ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ዘይጾሙ ስለምንታይ እዮም፧” በልዎ።+ 19 የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣዕሩኽ መርዓዊ፡ መርዓዊ+ ምሳታቶም ከሎ፡ ዚጾሙሉ ምኽንያት ኣለዎም ድዩ፧ መርዓዊ ምሳታቶም ክሳዕ ዘሎ፡ ኪጾሙ ኣይክእሉን እዮም። 20 መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደለን መዓልትታት ግና ኪመጻ እየን፣+ ሽዑ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ኺጾሙ እዮም። 21 ማይ ዘይጠዓመ ቝራጽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ሓድሽ ዓለባ ነቲ ብላይ ይምንጭቶ፡ እቲ ቐዳድ ከኣ ዝገደደ ይኸውን።+ 22 ሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ዜዕርቕ እውን፡ ሓደ እኳ የልቦን። እንተ ዘይኰነስ፡ እቲ ወይኒ ነቲ ኣሕርብቲ ይቐድዶ፡ እቲ ወይኒ ይፈስስ፡ እቲ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና፡ ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ።”
23 ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግራውቲ ኺሓልፍ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ እናኸዱ፡ ሰዊት ኪቕንጥቡ ጀመሩ።+ 24 ፈሪሳውያን ድማ፡ “ርአ! ብሰንበት ኪግበር ዘይተፈቕደ ስለምንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧” በልዎ። 25 ንሱ ግና ከምዚ በሎም፦ “ዳዊት ምስ ሰኣነ፡ ንሱን ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምስ ጠመዩ፡ እንታይ ከም ዝገበረስ ከቶዶ ኣየንበብኩምን፧+ 26 ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ፡ ካህናት እምበር ካልኦት ኪበልዕዎ ዘይተፈቕደ እንጌራ መባእ* ከም ዝበልዐ፡+ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ እውን ከም ዝሃቦምሲ፡ ኣብቲ ብዛዕባ ኣብያታር+ እቲ ሊቀ ኻህናት ዚገልጽ ዛንታዶ ኣየንበብኩምን፧” 27 ኣስዒቡ ድማ፡ “ሰንበት ደኣ እያ ምእንቲ ሰብ ኰይና እምበር፡+ ሰብሲ ምእንቲ ሰንበት ኣይኰነን። 28 እምበኣር፡ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እውን እዩ” በሎም።+