ነህምያ
1 ዘረባ ነህምያ*+ ወዲ ሓካልያ፦ ኣብ ወርሒ ከስለው፡* ኣብ መበል 20 ዓመት፡ ኣነ ኣብ ሱሳን*+ እታ ዕርዲ ኸተማ* ነበርኩ። 2 ሽዑ፡ ሓናኒ+ ሓደ ኻብ ኣሕዋተይ ምስ ካልኦት ሰብ ይሁዳ መጸ። ኣነ ኸኣ ብዛዕባ እቶም ካብ ምርኮ ዘምለጡ ዝተረፉ ኣይሁድን+ ብዛዕባ የሩሳሌምን ሓተትክዎም። 3 ንሳቶም ድማ፡ “እቶም ካብ ምርኮ ተሪፎም ኣብታ ኣውራጃ ዚነብሩ፡ ኣብ ሕማቕ ኵነታትን ኣብ ውርደትን እዮም ዘለዉ።+ መካበብያ የሩሳሌም ፈሪሱ፡+ ኣፍ ደገታታ ኸኣ ብሓዊ ነዲዱ ኣሎ” ኢሎም መለሱለይ።+
4 እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ተቐሚጠ ሓያሎ መዓልትታት በኸኹን ሓዘንኩን፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማያት ድማ እጸውምን+ እጽልን ነበርኩ። 5 ከምዚ ኸኣ በልኩ፦ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ ኣታ ንዜፍቅርዎን ትእዛዛቱ ንዚሕልዉን ኪዳኑ ዚሕሉን ብተኣማንነት ዜፍቅርን ዓብይን ዜፍርህን ኣምላኽ፡+ 6 እቲ እስራኤላውያን ኣብ ቅድሜኻ ዝሓጥእዎ ሓጢኣት እናተናዘዝኩ፡ ኣነ ሎሚ ብዛዕባ ገላዉኻ እስራኤላውያን መዓልትን ለይትን ዝጽልዮ ዘለኹ ጸሎት ጊልያኻ ንምስማዕ፡+ በጃኻ፡ እዝንኻ ጽን ትበል፡ ኣዒንትኻ እውን ይከፈታ። ኣነን ቤት ኣቦይን ሓጢእና ኢና።+ 7 ንጊልያኻ ሙሴ ዝኣዘዝካዮ ትእዛዛትን ስርዓታትን ፍርድታትን ብዘይምሕላውና፡+ ብርግጽ ኣብ ቅድሜኻ ተበላሺና ኢና።+
8 “በጃኻ፡ እቲ ንጊልያኻ ሙሴ ኸምዚ ኢልካ ዝኣዘዝካዮ ቓል* ዘክር፦ ‘እንተ ጠሊምኩም፡ ኣነ ድማ ኣብ መንጎ ህዝብታት ፋሕ ከብለኩም እየ።+ 9 ናባይ እንተ ተመሊስኩም፡ ትእዛዛተይ ከኣ እንተ ሓሊኹምን እንተ ተኣዚዝኩምን ግና፡ እቶም እተበተኑ ህዝብኹም ኣብ ወሰን ሰማያት እኳ እንተ ዚህልዉ፡ ካብኡ ኽእክቦም፡+ ናብታ ስመይ ከንብረላ ዝሓረኽዋ ቦታ ድማ ከምጽኦም እየ።’+ 10 ንሳቶም ብዓብዪ ሓይልኻን ብብርትዕቲ ኢድካን እተበጆኻዮም ገላዉኻን ህዝብኻን እዮም።+ 11 ኦ የሆዋ፡ በጃኻ፡ እዝንኻ ንጸሎት ጊልያኻን ንጸሎት እቶም ስምካ ብምፍራህ ደስ ዚብሎም ገላዉኻን ጽን ትበል፣ በጃኻ፡ ሎሚ ንጊልያኻ ኣቕንዓሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ እውን ይራሕርሓለይ።”+
ኣነ ኸኣ ኣሰላፍ መስተ ንጉስ ነበርኩ።+