1 ሳሙኤል
4 ቃል ሳሙኤል ከኣ ናብ ብዘሎ እስራኤል ወጸ።
እስራኤል ድማ ንፍልስጥኤማውያን ኪቀባበሎም ወጸ፣ ኣብ ጥቓ ኤብንዔዘር ከኣ ሰፈረ። ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣብ ኣፌቅ ሰፈሩ። 2 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንእስራኤል ኪቀባበልዎ ተሰለፉ፣ እቲ ውግእ ድማ በርትዐ፣ እስራኤል ከኣ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ተሳዕረ፣ ንሳቶም እውን ኣብ መሮር ካብቲ መስመር ውግእ 4,000 ሰብኡት ቀተሉ። 3 እቲ ህዝቢ ናብ ሰፈር ምስ ተመልሰ፡ እቶም ዓበይቲ እስራኤል፡ “ስለምንታይ እዩ የሆዋ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ዘስዓረና፧*+ ታቦት ኪዳን የሆዋ ምሳና ዀይኑ ኻብ ኢድ ጸላእትና ምእንቲ ኼድሕነናስ፡ ካብ ሺሎ ምሳና ንውሰዶ” በሉ።+ 4 እቲ ህዝቢ ድማ ናብ ሺሎ ልኢኹ፡ ነቲ ታቦት ኪዳን እቲ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምጽእዎ።+ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን+ ድማ ምስ ታቦት ኪዳን እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ ነበሩ።
5 ታቦት ኪዳን የሆዋ ናብቲ ሰፈር ምስ መጸ፡ ኵሎም እስራኤላውያን ምድሪ ኽሳዕ እትናወጽ ዓው ኢሎም ጨደሩ። 6 ፍልስጥኤማውያን ከኣ ነቲ ድምጺ ጭድርታ ምስ ሰምዑ፡ “ኣብ ሰፈር እብራውያን ድምጺ ጭድርታ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧” በሉ። ታቦት የሆዋ ናብቲ ሰፈር ከም ዝመጸ ድማ ፈለጡ። 7 ፍልስጥኤማውያን ከኣ፡ “ኣምላኽ ናብቲ ሰፈር መጺኡ!” ኢሎም ፈርሁ።+ ከምዚ ድማ በሉ፦ “ቅድሚ ሕጂ ኸምዚ ዝበለ ዀይኑ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ወይለና! 8 ወይለና! ካብ ኢድ እዚ ግርማዊ ኣምላኽ እዚ መን ኬድሕነና እዩ፧ ንግብጺ ኣብ በረኻ ወቒዑ ዅሉ ዓይነት ህልቂት ዘምጽአ ኣምላኽ እዚ እዩ።+ 9 ኣቱም ፍልስጥኤማውያን፡ ከምቲ ንሳቶም እተገዝኡኹም፡ ንስኻትኩም እውን ንእብራውያን ከይትግዝእዎምሲ፡ ትብዑ፡ ሰብኡት እውን ኩኑ።+ እወ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ ተዋግኡ!” 10 ሽዑ፡ ፍልስጥኤማውያን ተዋግኡ፡ እስራኤል ከኣ ተሳዕረ፣+ ነፍሲ ወከፍ ድማ ነናብ ድንኳኑ ሃደመ። ኣመና ብዙሓት ከኣ ተቐትሉ፣ ካብ እስራኤል፡ 30,000 ኣጋር ተዋጋእቲ ወደቑ። 11 ታቦት ኣምላኽ ድማ ተማረኸ፣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን ከኣ ሞቱ።+
12 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ሓደ ብንያማዊ ሰብኣይ ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ኣብ ርእሱ እውን ሓመድ ነስኒሱ፡ ካብቲ መስመር ውግእ ጐይዩ ናብ ሺሎ መጸ።+ 13 እቲ ሰብኣይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ልቡ ራዕራዕ ኢሉ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ የማዕዱ ነበረ።+ እቲ ሰብኣይ ድማ ኬውሪ ናብ ከተማ ኣተወ፣ ብዘላ እታ ኸተማ ኸኣ ጫውጫው በለት። 14 ኤሊ ድማ ድምጺ እቲ ጫውጫውታ ምስ ሰምዐ፡ “እዚ ድምጺ ህውከት እዚ እንታይ እዩ፧” በለ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ቀልጢፉ መጺኡ፡ ንኤሊ ነገሮ። 15 (ኤሊ ድማ ወዲ 98 ዓመት ኰይኑ ነበረ፣ ኣዒንቱ ፈዚዘን ነበራ፡ ኪርኢ እውን ኣይክእልን ነበረ።)+ 16 እቲ ሰብኣይ ድማ ንኤሊ፡ “እቲ ኻብ መስመር ውግእ ዝመጸ ኣነ እየ። ካብቲ መስመር ውግእ ሎሚ እየ ሃዲመ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ወደየ፡ ከመይ ኰይኑ፧” ኢሉ ሓተቶ። 17 እቲ መውረዪ ድማ፡ “እስራኤል ካብ ፍልስጥኤማውያን ሃዲሞም፣ እቲ ህዝቢ ኸኣ ብርቱዕ ስዕረት ተሳዒሩ።+ ክልቲኦም ደቅኻ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን ከኣ ሞይቶም፣+ ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እውን ተማሪኹ” ኢሉ መለሰሉ።+
18 ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምስ ኣልዓለሉ፡ ኤሊ ኻብ መንበሩ ኣብ ጥቓ እቲ ኣፍ ደገ ንድሕሪት ወደቐ፡ ኣሪጉን ከቢዱን ስለ ዝነበረ ድማ፡ ክሳዱ ተሰብረ። ንሱ ንእስራኤል 40 ዓመት ፈሪዱ ነበረ። 19 ሰበይቲ ወዱ፡ ሰበይቲ ፊንሃስ ከኣ፡ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረት። ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም እተማረኸ፡ ሓሙኣን ሰብኣያን ድማ ከም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዐት፡ ተጐምብሐት፡ ድንገት ብጻዕሪ ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ወለደት። 20 ክትመውት ከላ ኸኣ፡ እተን ኣብ ጥቓኣ ዝነበራ ኣንስቲ፡ “ወዲ ወሊድኪ ኢኺ እሞ፡ ኣይትፍርሂ” በላኣ። ንሳ ግና ኣይመለሰትን፡ ኣብ ልባ እውን ኣይገበረቶን። 21 ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ እተማረኸን ብምኽንያት እቲ ንሓሙኣን ንሰብኣያን ዘጋጠሞምን ድማ፡+ “ክብሪ ኻብ እስራኤል ተማሪኹ ኸደ” ኢላ፡+ ነቲ ሕጻን ኢካቦድ* ኢላ ሰመየቶ።+ 22 ንሳ ኸኣ፡ “ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ስለ እተማረኸ፡ ክብሪ ኻብ እስራኤል ተማሪኹ ኸደ” በለት።+