መዝሙር
ናይ ዳዊት። መዝሙር።
101 ብዛዕባ እቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ብዛዕባ ፍትሕን ክዝምር እየ።
ኦ የሆዋ፡ ውዳሰ ኽዝምረልካ* እየ።
2 ብምስትውዓልን መንቅብ ብዘይብሉ መገድን* ክነብር እየ።
መዓስ ክትመጸኒ ኢኻ፧
ኣብ ውሽጢ ቤተይ ብንጽህና ልበይ ክመላለስ እየ።+
3 ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ዘይጠቅም ነገር ኣይከንብርን እየ።
4 ቄናን ልቢ ኻባይ ርሑቕ እዩ፣
ክፍኣት ኣይቅበልን* እየ።
ዕቡያት ኣዒንትን ኵሩዕ ልብን ንዘለዎ፡
ኣይክጻወሮን እየ።
6 ምሳይ ምእንቲ ኪቕመጡስ፡
ናብ እሙናት ምድሪ ኽምልከት እየ።
እቲ መንቅብ ብዘይብሉ መገዲ* ዚመላለስ ኬገልግለኒ እዩ።
7 መታለሊ ኣብ ቤተይ ኣይኪቕመጥን፡
ሓሳዊ ድማ ኣብ ቅድመይ* ደው ኣይኪብልን እዩ።