ድጕዓ
א [ኣሌፍ]*
1 እዛ ህዝቢ መሊእዋ ዝነበረት ከተማስ ከመይ ኰን እያ በይና እትቕመጥ ዘላ!+
እዛ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ብዙሕ ህዝቢ ዝነበራስ ከመይ ኰን እያ ኸም መበለት ዝዀነት!+
እዛ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ልዕልቲ ዝነበረትሲ ኸመይ ኰን እያ ብግዲ እትሽቅል ዝዀነት!+
ב [ቤት]
2 ለይቲ ኣምሪራ ትበኪ፡+ ንብዓት ድማ ኣብ መዓጕርታ ይውሕዝ ኣሎ።
ካብ ኵሎም እቶም ዜፍቅርዋስ ሓደ እኳ ዜጸናንዓ የልቦን።+
ኵሎም ብጾታ ጠሊሞምዋ፣+ ጸላእታ ዀይኖም።
ג [ጊሜል]
3 ይሁዳ ኣብ ትሕቲ ጸበባን ብርቱዕ ባርነትን+ ናብ ምርኮ ኸይዳ።+
ኣብ መንጎ ኣህዛብ ክትቅመጥ ኣለዋ፣+ መዕረፊ ኣይረኸበትን።
ኵሎም ሰጐጕታ ብግዜ ጭንቃ ኣርኪቦምዋ።
ד [ዳሌጥ]
4 ናብ በዓል ዚመጽእ የልቦን እሞ፡ መገድታት ጽዮን ይሓዝን ኣሎ።+
ኵሉ ኣፍ ደገታታ ባዲሙ ኣሎ፣+ ካህናታ እህህ ይብሉ ኣለዉ።
ደናግላ* ጕህየን ኣለዋ፣ ንሳ እውን ኣብ መሪር ሓዘን ኣላ።
ה [ሄ]
5 ተጻረርታ ጐይታኣ* ዀይኖም ኣለዉ፣ ጸላእታ ቕሱናት ኰይኖም ኣለዉ።+
የሆዋስ ብሰሪ እቲ ብዙሕ ኣበሳኣ ጓሂ ኣምጺኡላ እዩ።+
ደቃ ቐቅድሚ ተጻራሪ ናብ ምርኮ ኸይዶም እዮም።+
ו [ዋው]
6 ኵሉ ግርማ ኻብ ጓል ጽዮን ኣልጊሱ እዩ።+
መሳፍንታ መጓሰዪ ኸም ዝሰኣኑ እራባት እዮም፣
ኣብ ቅድሚ ሰጓጒ ሓይሎም ተጸንቂቕዎም ይኸዱ።
ז [ዛይን]
7 የሩሳሌም ብመዓልትታት ጸበባኣን ቤት ኣልቦነታን፡
ነቲ ብመዓልትታት ቀደም ዝነበራ ኽቡር ነገራት ትዝክር ኣላ።+
ח [ሔት]
8 የሩሳሌም ዓብዪ ሓጢኣት ገይራ እያ።+
ስለዚ እያ ፍንፍንቲ ዝዀነት።
ኵሎም እቶም ዜኽብርዋ ዝነበሩ፡ ዕርቃና ርእዮም እዮም እሞ፡ ንዒቖምዋ።+
ንሳ እውን ትግዕርን+ ብሕፍረት ዝባና ትመልስን ኣላ።
ט [ጤት]
9 ርኽሰታ ኣብ ወሰናት ክዳና ኣሎ።
ብዛዕባ መጻኢኣ ኣይሓሰበትን።+
ውድቀታ ዜስደምም እዩ ነይሩ፣ ዜጸናንዓ የልቦን።
ኦ የሆዋ፡ ጸላኢ ንርእሱ ኣዕብዩ እዩ እሞ፡ ጸበባይ ርአ።+
י [ዮድ]
10 ተጻራሪ ኣብ ኵሉ እቲ ኽቡር መዛግብታ ኢዱ ኣንቢሩ።+
እቶም ብዛዕባኦም ናብ ጉባኤኻ ኸይኣትዉ ዝኣዘዝካ ኣህዛብሲ
ናብ መቕደሳ ኺኣትዉ ርእያ እያ።+
כ [ካፍ]
11 ኵሎም ህዝባ እህህ ይብሉ፡ እንጌራ ኸኣ ይደልዩ ኣለዉ።+
ብህይወት ኪነብሩ ጥራይ* ኢሎምሲ ኽቡር ነገራቶም ንብልዒ ሂቦም።
ኦ የሆዋ፡ ጠምት፡ ከም ዘይትጠቅም ሰበይቲ* ኸም ዝዀንኩ ርአ።
ל [ላሜድ]
12 ኣቱም ሓለፍቲ መገዲ፡ እዚ ንዓኻትኩም ምንም ድዩ፧
ጠምቱን ርኣዩን!
ከምቲ የሆዋ በታ መዓልቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ዘሳቐየኒ ዝኣመሰለ፡
ከምቲ ኣነ እተቐጻዕኩሉ ስቓይ ኣሎዶ፧+
מ [ሜም]
13 ካብ ላዕሊ ናብ ኣዕጽምተይ ሓዊ ሰዲዱ፣+ ንዅሉ እውን ኣሕሚቕዎ።
ንኣእጋረይ መርበብ ዘርጊሑ፣ ንድሕሪት ክምለስ ገዲዱኒ።
ዝበረሰት ገይሩኒ።
ምሉእ መዓልቲ ኸኣ ሓሚመ ኣለኹ።
נ [ኑን]
14 ኣበሳይ ብኢዱ ብሓደ ተኣሲሩ፡ ከም ኣርዑት ተቘሪኑ ኣሎ።
ኣብ ክሳደይ ተነቢሩ ኣሎ፣ ሓይለይ ከኣ ጠሊሙኒ ኣሎ።
የሆዋ ኣብ ኢድ እቶም ክጻረሮም ዘይክእል ኣሕሊፉ ሂቡኒ።+
ס [ሳሜኽ]
15 የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ ማእከለይ ዝነበሩ ሓያላተይ ደርብይዎም።+
ንኣጕባዘይ ኪጭፍልቖም ኣንጻረይ ኣኼባ ጸዊዑ።+
የሆዋ ንድንግል ጓል ይሁዳ ኣብ መጽመቝ ወይኒ ረጊጽዋ።+
ע [ዓይን]
16 ስለዚ፡ ኣነ እበኪ ኣለኹ፣+ ኣዒንተይ ንብዓት የውሕዝ ኣሎ።
ኬጸናንዓኒ ወይ ኬበርትዓኒ* ዚኽእል ዘበለ ኻባይ ርሑቕ እዩ።
ጸላኢ ስዒሩ እዩ እሞ፡ ደቀይ በሪሶም።
פ [ፌ]
17 ጽዮን ኣእዳዋ ዘርጊሓ ኣላ፣+ ዜጸናንዓ የልቦን።
የሆዋ ኣንጻር ያእቆብ፡ ንዅሎም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ተጻረርቱ ኣዚዙ ኣሎ።+
የሩሳሌም ንዓታቶም ፍንፍንቲ ዀይና ኣላ።+
צ [ጻዴ]
18 ካብ ትእዛዙ* ዓልየ እየ እሞ፡+ የሆዋ ጻድቕ እዩ።+
ኣቱም ህዝብታት ስምዑ፡ ስቓየይ እውን ርኣዩ።
ደናግለይን* ኣጕባዘይን ናብ ምርኮ ኸይዶም ኣለዉ።+
ק [ቆፍ ]
19 ንዜፍቅሩኒ ጸዊዐዮም፣ ንሳቶም ግና ጠሊሞምኒ።+
ר [ሬሽ ]
20 ኦ የሆዋ፡ ኣብ ብርቱዕ ጭንቂ እየ ዘለኹ እሞ፡ ርአ።
ውሽጠይ* ይሕቈን ኣሎ።
ጠሪሰ ዓላዊት ኰይነ እየ እሞ፡ ልበይ ኣብ ውሽጠይ ይግልበጥ ኣሎ።+
ኣብ ግዳም፡ ሰይፊ ውሉድ የስእን፣+ ኣብ ውሽጢ ቤት ከኣ ሞት ኣሎ።
ש [ሺን]
21 ሰባት እህህታይ ሰሚዖም፣ ዜጸናንዓኒ የልቦን።
ኵሎም ጸላእተይ መዓተይ ሰሚዖም።
ንስኻ ስለ ዘምጻእካዮ፡ ተሓጒሶም።+
ግናኸ፡ ነታ ኸምዚ ኸማይ ዚዀኑላ ዝኣወጅካያ መዓልቲ ኸተምጽኣ ኢኻ።+
ת [ታው]
22 ኵሉ ኽፍኣቶም ኣብ ቅድሜኻ ይብጻሕ፣
ከምቲ ብሰሪ ዅሉ ኣበሳይ ዝቐጻዕካኒ፡ ንዓታቶም እውን ከምኡ ቕጽዓዮም።+
እህህታይሲ ብዙሕ፡ ልበይ እውን ሕሙም እዩ።