ዘሌዋውያን
13 የሆዋ ድማ ንሙሴን ንኣሮንን ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፦ 2 “ሓደ ሰብ ኣብ ቈርበቱ* ሕበጥ፡ ሽሕር፡ ወይ ብሩህ ብሮት እንተ ወጺእዎ፡ እዚ ድማ ኣብ ቈርበቱ ሕማም ደዌ*+ ኪኸውን ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ናብ ካህን ኣሮን ወይ ናብ ሓደ ኻብቶም ካህናት ዝዀኑ ደቁ የምጽእዎ።+ 3 እቲ ኻህን ከኣ ነቲ ኣብ ቈርበቱ ዘሎ ረኽሲ ይመርምሮ። እቲ ኣብቲ ረኽሲ ዘሎ ጸጕሪ ምስ ዚጽዕዱ፡ እቲ ረኽሲ ድማ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ ምስ ዚርአ፡ ሕማም ደዌ እዩ። እቲ ኻህን ከኣ ይመርምሮ፡ ርኹስ ምዃኑ እውን ይንገር። 4 ግናኸ፡ እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቈርበቱ እንተ ጻዕድዩ፡ ካብቲ ቘርበት ድማ ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ ጸጕሩ እውን እንተ ዘይጻዕድዩ፡ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።*+ 5 እቲ ኻህን ከኣ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ ደው ዝበለ፡ ኣብቲ ቘርበት ድማ ዘይለሓመ እንተ መሲሉ፡ እቲ ኻህን ንኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።
6 “እቲ ኻህን ድማ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸም ብሓድሽ ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ እንተ ፈሲሙ፡ ኣብቲ ቘርበት እውን እንተ ዘይልሒሙ፡ ንጹህ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፣+ ንሱ ሽሕር እዩ። እቲ ሰብ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ፡ ይንጻህ። 7 ንምንጻህ ኣብ ቅድሚ ኻህን ድሕሪ ምቕራቡ እቲ ሽሕር* ብርግጽ ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ ግና፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ኻህን ከም ብሓድሽ* ይርአ። 8 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣ እቲ ሽሕር ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፣ ንሱ ደዌ እዩ።+
9 “ንሰብ ሕማም ደዌ እንተ ሒዝዎ፡ ናብ ካህን የምጽእዎ፣ 10 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ።+ ኣብቲ ቘርበት ጻዕዳ ሕበጥ እንተ ኣልዩ፡ ነቲ ጸጕሪ ኸኣ እንተ ኣጻዕድይዎ፡ ኣብቲ ሕበጥ ድማ ክፉት ቍስሊ+ እንተ ኣልዩ፡ 11 ኣብ ቈርበቱ ዝወጸ ሕዱር ደዌ እዩ፣ ርኹስ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር። ርኹስ እዩ እሞ፡ ኣይወሽቦ።+ 12 እቲ ደዌ ኣብ ኵሉ ቘርበቱ እንተ ወጺኡ፡ እቲ ደዌ ድማ እቲ ኻህን ኪርእዮ ኽሳዕ ዚኽእል ነቲ ሰብ ካብ ርእሱ ኽሳብ እግሩ ብሕማም እንተ ኸዲንዎ፡ 13 እቲ ኻህን ከኣ ምስ መርመሮ፡ እቲ ደዌ ንዅሉ ቘርበቱ ኸም ዝወረሶ እንተ ርእዩ፡ ሽዑ እቲ ረኽሲ ዝነበሮ ሰብ ንጹህ ምዃኑ* ይንገር። ብዘሎ ጻዕድዩ እዩ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 14 ግናኸ፡ ክፉት ቍስሊ ምስ ተራእየ፡ ንሱ ርኹስ እዩ። 15 እቲ ኻህን ክፉት ቍስሊ ምስ ዚርኢ፡ ርኹስ ምዃኑ ይንገር።+ እቲ ኽፉት ቍስሊ ርኹስ እዩ። ንሱ ደዌ እዩ።+ 16 እቲ ኽፉት ቍስሊ ኸም ብሓድሽ እንተ ጻዕድዩ ግና፡ ናብ ካህን ይምጻእ። 17 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣+ እቲ ረኽሲ እንተ ጻዕድዩ፡ ሽዑ እቲ ኻህን፡ እቲ ረኽሲ ዝነበሮ ሰብ ንጹህ ምዃኑ ይንገር፣ ንሱ ንጹህ እዩ።
18 “ንሰብ ኣብ ቈርበቱ ምጕልንጭዋ እንተ ወጺእዎ እሞ፡ እንተ ሓውዩ፡ 19 ኣብቲ ምጕልንጭዋ ዝነበሮ ቦታ ግና ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ኣልዩ፡ ሽዑ ገዛእ ርእሱ ንኻህን የርኢ። 20 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣+ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእዩ፡ ጸጕሩ ኸኣ እንተ ጻዕድዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ኣብ ምጕልንጭዋ ዝወጸ ሕማም ደዌ እዩ። 21 ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ እሞ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጕሪ እንተ ዘየልዩ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ እንተ ዘይጐድጒዱ፡ ከምኡ ድማ እንተ ፈሲሙ፡ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።+ 22 ኣብቲ ቘርበት ብንጹር እንተ ልሒሙ ኸኣ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም እዩ። 23 እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ሓደ ቦታ ደው እንተ ኢሉን እንተ ዘይልሒሙን ግና፡ ነድሪ ምጕልንጭዋ ጥራይ እዩ፣ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር።+
24 “ንሰብ ንዳድ ሓዊ እንተ ኣልይዎ እሞ፡ እቲ ኽፉት ቍስሊ ዝዀነ ንዳድ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሩህ ብሮት እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ጻዕድዩ፡ 25 ሽዑ እቲ ኻህን ይመርምሮ። እቲ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ዘሎ ጸጕሪ እንተ ጻዕድዩ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ጐድጒዱ እንተ ተራእዩ፡ ኣብ ንዳድ ዝወጸ ደዌ እዩ፣ ርኹስ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም ደዌ እዩ። 26 ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ፡ ኣብቲ ብሩህ ብሮት ጻዕዳ ጸጕሪ ኸም ዘየልቦ፡ ካብቲ ቘርበት ከኣ ከም ዘይጐድጐደ፡ ከምኡ ድማ ከም ዝፈሰመ እንተ ርእዩ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።+ 27 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ እቲ ኻህን ይመርምሮ፣ ብንጹር ድማ ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። ንሱ ሕማም ደዌ እዩ። 28 ግናኸ፡ እቲ ብሩህ ብሮት ኣብ ቦታኡ ደው እንተ ኢሉ፡ ኣብቲ ቘርበት እውን እንተ ዘይልሒሙ፡ ከምኡ ድማ እንተ ፈሲሙ፡ ንሱ ሕበጥ ንዳድ ጥራይ እዩ፣ ነድሪ ንዳድ እዩ እሞ፡ ንጹህ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር።
29 “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ወይ ኣብ ጭሕሚ ረኽሲ እንተ ኣልይዎ፡ 30 እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ይመርምሮ።+ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእዩ፡ እቲ ጸጕሪ ድማ ብጫን ቀጢንን እንተ ዀይኑ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፣ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ረኽሲ እዩ። ናይ ርእሲ ወይ ናይ መንከስ ደዌ እዩ። 31 ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ ርእዩ እሞ፡ እቲ ረኽሲ ኻብቲ ቘርበት ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ ኣብኡ ኸኣ ጸሊም ጸጕሪ እንተ ዘየልዩ፡ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።+ 32 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ እንተ ዘይልሒሙ፡ ብጫ ጸጕሪ እውን እንተ ዘየውጺኡ፡ እቲ ረኽሲ ዘለዎ ቦታ ኸኣ ካብቲ ቘርበት ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ 33 እቲ ሰብ ይላጸ፡ ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ቦታ ግና ኣይላጽዮ። ሽዑ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ሰብ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።
34 “ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ፡ እቲ ኻህን ነቲ ረኽሲ ዘለዎ ቦታ ኸም ብሓድሽ ይመርምሮ፣ እቲ ናይ ርእሲ ወይ ናይ ጭሕሚ ረኽሲ ኣብቲ ቘርበት እንተ ዘይልሒሙ፡ ካብቲ ቘርበት እውን ከም ዘይጐድጐደ እንተ ተራእዩ፡ ሽዑ ንጹህ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ እሞ፡ ይንጻህ። 35 ግናኸ፡ ድሕሪ ምንጻሁ፡ እቲ ረኽሲ ኣብቲ ቘርበት ብንጹር እንተ ልሒሙ፡ 36 እቲ ኻህን ይመርምሮ፣ እቲ ረኽሲ ኣብቲ ቘርበት እንተ ልሒሙ፡ እቲ ኻህን ብጫ ጸጕሪ እንተ ኣልዩ ኺርኢ ኣየድልዮን እዩ፣ እቲ ሰብ ርኹስ እዩ። 37 ግናኸ፡ እቲ ረኽሲ ኸም ዘይለሓመን ኣብኡ ጸሊም ጸጕሪ ኸም ዝበቘለን በቲ መርመራ እንተ ተራእዩ፡ እቲ ረኽሲ ሓውዩ እዩ። ንሱ ንጹህ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ድማ እቲ ኻህን ይንገር።+
38 “ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ኣብ ቈርበቱ* ብሩህ ብሮት እንተ ወጺእዎ፡ እቲ ብሩህ ብሮት ከኣ ጻዕዳ እንተ ዀይኑ፡ 39 እቲ ኻህን ይመርምሮ።+ እቲ ኣብ ቈርበት ዘሎ ብሩህ ብሮት ዝፈሰመ ጻዕዳ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ቈርበት ዝወጸ ዘይጓዳእ ዕንፍሩር እዩ። እቲ ሰብ እቲ ንጹህ እዩ።
40 “ሰብ ጸጕሪ ርእሱ እንተ ተመሊጡ እሞ፡ እንተ በሪሑ፡ ንሱ ንጹህ እዩ። 41 ርእሱ ብሸነኽ ቅድሚት እንተ ተመሊጡ እሞ፡ ኣብኡ እንተ በሪሑ፡ ንጹህ እዩ። 42 ግናኸ፡ ኣብቲ በራሕ ርእሱ ወይ ኣብ ግምባሩ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ ቝስሊ እንተ ወጺእዎ፡ ኣብ ርእሱ ወይ ኣብ ግምባሩ ዝወጸ ደዌ እዩ። 43 እቲ ኻህን ድማ ይመርምሮ፣ እቲ ሕበጥ ረኽሲ ኣብ ብርሑ ወይ ኣብ ግምባሩ ቕይሕ ዝበለ ጻዕዳ እንተ ዀይኑ፡ ከምቲ ኣብ ቈርበት ዚወጽእ ደዌ ኸኣ እንተ መሲሉ፡ 44 ንሱ ድዉይ እዩ። ንሱ ርኹስ እዩ፣ ብምኽንያት እቲ ኣብ ርእሱ ዘሎ ሕማም ከኣ፡ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። 45 እቲ ሕማም ዘለዎ ድዉይ ድማ፡ ክዳውንቱ ይቕደድ፡ ርእሱ ኸኣ የወንጭር፡ ጭሕሙ* ኸዲኑ ድማ፡ ‘ርኹስ፡ ርኹስ!’ ኢሉ ይጨድር። 46 እቲ ሕማም ክሳዕ ዘለዎ፡ ኵሉ ግዜ ርኹስ ይኹን። ንሱ ርኹስ እዩ እሞ፡ ንበይኑ ይቀመጥ። መንበሪኡ ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይኹን።+
47 “እቲ ደዌ ኣብ ክዳን ጸምሪ ዀነ ኣብ ክዳን በፍታ እንተ ወጺኡ፡ 48 ኣብ ናይ በፍታ ቕጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ፡ ወይ ከኣ ኣብ ቈርበት ወይ ካብ ቈርበት ኣብ እተገብረ ዝዀነ ይኹን ነገር እንተ ወጺኡ፡ 49 ኣብ ክዳን ወይ ኣብ ቈርበት ወይ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት ድማ ብጭው ዝበለ ሓምላይ ወይ ቅይሕ ዝበለ ነገር እንተ ወጺኡ፡ ንሱ ብከላ ደዌ እዩ፡ ብኻህን ከኣ ይርአ። 50 እቲ ኻህን ድማ ነቲ ሕማም ይመርምሮ፣ ነቲ ሕማም ከኣ ሸውዓተ መዓልቲ ይወሽቦ።+ 51 ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነቲ ሕማም ምስ መርመሮ፡ ኣብቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብቲ ቘርበት ልሒሙ ድማ እንተ ርእይዎ (እቲ ቘርበት ዚህቦ ኣገልግሎት ብዘየገድስ)፡ እቲ ሕማም ብርቱዕ ደዌ እዩ፣ ንሱ ርኹስ እዩ።+ 52 ነቲ ኽዳን ወይ ነቲ ኣብ ጸምሪ ወይ ኣብ በፍታ ዘሎ ቕጥኒ ወይ ፋእሚ፡ ወይ ከኣ ሕማም ንዝወጾ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት የንድዶ፣ ከመይሲ፡ ንሱ ብርቱዕ ደዌ እዩ። ብሓዊ ይንደድ።
53 “ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ፡ እቲ ሕማም ከኣ ኣብቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት እንተ ዘይልሒሙ፡ 54 ሽዑ እቲ ኻህን ነቲ እተበከለ ነገር ኪሓጽብዎ ይኣዝዝ፡ ንኻልእ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ይወሽቦ። 55 እቲ ኻህን ከኣ፡ እቲ እተበከለ ነገር ኣጸቢቑ ምስ ተሓጽበ ይመርምሮ። ትርኢት እቲ ብከላ እንተ ዘይተቐይሩ፡ እቲ ሕማም እኳ እንተ ዘይለሓመ፡ ርኹስ እዩ። ብውሽጡ ወይ ብግዳሙ ስለ እተበልዐ፡ ብሓዊ ኣንድዶ።
56 “ግናኸ፡ እቲ ኻህን እንተ መርሚርዎ፡ እቲ እተበከለ ኽፋል ከኣ ኣጸቢቑ ምስ ተሓጽበ እንተ ፈሲሙ፡ ካብቲ ኽዳን ወይ ካብቲ ቘርበት ወይ ካብቲ ቕጥኒ ወይ ካብቲ ፋእሚ ይቕደዶ። 57 ኣብ ካልእ ክፋል እቲ ኽዳን ወይ ኣብቲ ቕጥኒ ወይ ኣብቲ ፋእሚ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት እንተ ተራእዩ ግና፡ ይልሕም ኣሎ፣ ንዝዀነ ይኹን እተበከለ ነገር ከኣ ብሓዊ ኣንድዶ።+ 58 እቲ ብከላ ኻብቲ ዝሓጸብካዮ ኽዳን ወይ ቅጥኒ ወይ ፋእሚ ወይ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት እንተ ጠፊኡ ግና፡ ካልኣይ ሳዕ ይተሓጸብ፣ ይነጽህ ድማ።
59 “ኣብ ክዳን ጸምሪ ወይ በፍታ፡ ኣብ ቅጥኒ ወይ ኣብ ፋእሚ፡ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣቕሓ ቘርበት ብዛዕባ ዚወጽእ ደዌ፡ ንጹህ ምዃኑ ወይ ርኹስ ምዃኑ ብዛዕባ ምንጋር፡ እቲ ሕጊ እዚ እዩ።”