ሮሜ
16 ነታ ኣገልጋሊት እታ ኣብ ክንክሬኣ+ ዘላ ጉባኤ ዝዀነት ፌቤን ሓብትና አፋልጠኩም* ኣለኹ፣ 2 ንሳ ንባዕላ እውን ንብዙሓትን ንዓይ ንርእሰይን ትረድእ ነይራ እያ እሞ፡ ንቕዱሳት ከም ዚግባእ ጌርኩም ተቐበልዋ፣ ብዜድልያ ዘበለ እውን ደግፍዋ።+
3 ነቶም ብክርስቶስ የሱስ መዓይይተይ ዝዀኑ ጵርስካን ኣኪላስን+ ሰላም በሉለይ፣ 4 ንሳቶም ኣብ ክንዳይ* ክሳዶም ኣሕሊፎም እዮም፣+ ኣነ ጥራይ ዘይኰንኩስ፡ ኵለን ጉባኤታት እውን የመስግናኦም እየን። 5 ነታ ኣብ ቤቶም ዘላ ጉባኤ እውን ሰላም በሉለይ።+ ነቲ ንክርስቶስ በዅሪ እስያ ዝዀነ ኤጴኔጦስ እቲ ፍቑረይ፡ ሰላም በሉለይ። 6 ነታ ብዙሕ ዝጸዓረትልኩም ማርያም ሰላም በሉለይ። 7 ነቶም ኣብ ሃዋርያት ፍሉጣት ዝዀኑ፡ ቅድመይ እውን ምስ ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎም ኣዝማደይን+ መተኣስርተይን ዝዀኑ ኣንድሮኒቆስን ዩንያን ሰላም በሉለይ።
8 ንኣምጵልያጦስ እቲ ብጐይታ ፍቑረይ ሰላም በሉለይ። 9 ንኡርባኖስ እቲ ብክርስቶስ መዓይይትናን ንእስጣኩስ እቲ ፍቑረይን ሰላም በሉለይ። 10 ነቲ ብክርስቶስ ብቕዓቱ ዘመስከረ ኣጵሌስ ሰላም በሉለይ። ነቶም ካብ ቤተ ሰብ ኣርስጦቡሎስ ዘበሉ ሰላም በሉለይ። 11 ንሄሮድዮን ዘመደይ ሰላም በሉለይ። ነቶም ብጐይታ ዝዀኑ ኻብ ቤተ ሰብ ናርቂሶስ ዘበሉ ሰላም በሉለይ። 12 ነተን ብጐይታ ዚጽዕራ ዘለዋ ጥሬፌናን ጥሬፎሳን ሰላም በሉለይ። ነታ ብጐይታ ብዙሕ ዝጸዓረት ፍቕርቲ ጰርሲስ ሰላም በሉለይ። 13 ነቲ ብጐይታ እተሓርየ ሩፎስን ነታ ንዓይ እውን ኣደይ ዝዀነት ኣዲኡን ሰላም በሉለይ። 14 ንኣሰንቅሪጦስን ንፍሌጎንን ንሄርሜስን ንጳጥሮባስን ንሄርማስን ምሳታቶም ንዘለዉ ኣሕዋትን ሰላም በሉለይ። 15 ንፊሎሎጎስን ዩልያን፡ ንኔርዮስን ሓብቱን፡ ንኦልምጳስን ነቶም ምሳታቶም ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳትን ሰላም በሉለይ። 16 ንሓድሕድኩም ብቕዱስ ምስዕዓም ሰላም ተባሃሃሉ። ኵለን ጉባኤታት ክርስቶስ እውን ሰላም ይብላኹም ኣለዋ።
17 ኣሕዋተየ፡ ነቶም ኣንጻር እቲ እተመሃርኩምዎ ትምህርቲ ፍልልይን መዐንቀፍን ዚፈጥሩ ኽትጥንቀቑሎም እምሕጸነኩም ኣለኹ፣ ካባታቶም ርሓቑ።+ 18 ከምዚኣቶም ዝበሉስ ንትምኒቶም* ደኣ እምበር፡ ንጐይታና ክርስቶስ ኣይግዝእዎን እዮም፣ ብጥዑም ዘረባን ብሽሕጣንን ልቢ ገርህታት የስሕቱ እዮም። 19 ተኣዛዝነትኩም ብዅሉ ተፈሊጡ እዩ፣ ስለዚ ድማ ብኣኻትኩም እሕጐስ እየ። ግናኸ፡ ንሰናይ ብልህታት፡* ንእከይ ግና ገርህታት ክትኰኑ እደሊ ኣለኹ።+ 20 እቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ከኣ ንሰይጣን ቀልጢፉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋርኩም ኪጭፍልቖ እዩ።+ ጸጋ ጐይታና የሱስ ምሳኻትኩም ይኹን።
21 ጢሞቴዎስ እቲ መዓይይተይ ሰላም ይብለኩም ኣሎ፣ ሉክዮስን ያሶንን ሶሲጳጥሮስን ኣዝማደይ+ እውን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።
22 ነዛ ደብዳበ እዚኣ ዝጸሓፍክዋ ኣነ ጠርጥዮስ፡ ብጐይታ ሰላም እብለኩም ኣለኹ።
23 እቲ ንዓይን ንዅላ እታ ጉባኤን ብግሽነት እተቐበለ ጋይዮስ+ ሰላም ይብለኩም ኣሎ። ኤራስጦስ እቲ ተሓዝ መዝገብ እታ ኸተማን* ሓዉ ቁኣርጦስን ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ። 24 *——
25 ነቲ በቲ ኣነ ዘበስሮ ብስራትን ስብከት የሱስ ክርስቶስን ኬጽንዓኩም ዚኽእል፡ ክብሪ ይኹኖ። እቲ ስብከት እቲ ኸኣ፡ ምስ ግልጸት እቲ ኻብ ጥንቲ ኣትሒዙ ስቕ ተባሂሉ ዝጸንሐ ቕዱስ ምስጢር+ ዚሰማማዕ ኰይኑ፡ 26 ሕጂ ግና ብእምነት ተኣዛዝነት ምእንቲ ኺህሉ፡ ከም ትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ብትንቢት ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ተጋሂዱን* ተፈሊጡን ኣሎ። 27 ነቲ በይኑ ጥበበኛ ዝዀነ ኣምላኽ፡+ ብየሱስ ክርስቶስ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።