ቈሎሴ
3 እምበኣር፡ ምስ ክርስቶስ ካብ ተንሳእኩም፡+ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ።+ 2 ሓሳብኩም ኣብቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዘይኰነስ፡+ ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ የተኵር።+ 3 ከመይሲ፡ ሞይትኩም ኢኹም፣ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ፡ ምስ ኣምላኽ ብዘለዎ ሓድነት ተሰዊራ ኣላ። 4 እቲ ህይወትና ዝዀነ ክርስቶስ+ ምስ ተጋህደ፡ ሽዑ ንስኻትኩም እውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግሃዱ ኢኹም።+
5 እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም፡+ ማለት ምንዝርና፡* ርኽሰት፡ ፋሉል ፍትወተ ስጋ፡+ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዐ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት ቅተሉ። 6 ብሰሪ እዚ፡ ቍጥዓ ኣምላኽ ይመጽእ ኣሎ። 7 ንስኻትኩም እውን ኣብቲ ናይ ቀደም ኣነባብራኹም፡* ብኸምኡ ኢኹም እትመላለሱ ኔርኩም።+ 8 ሕጂ ግና እዚ ዅሉ፡ ማለት ነድሪ፡ ቍጥዓ፡ ክፍኣት፡+ ጸርፊ፡+ ጽዩፍ ዘረባ+ ኻብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። 9 ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።+ ነቲ ኣረጊት ስብእና* ምስ ግብርታቱ ቐንጢጥኩም፡+ 10 ነቲ ኸም ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ብልክዕ ፍልጠት ዚሕደስ ዘሎ+ ሓድሽ ስብእና ልበሱ።+ 11 ኣብኡስ ግሪኻውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ጓና፡ ስኪት፡* ባርያ፡ ጭዋ የልቦን፣ የግዳስ፡ ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ።+
12 እምበኣር፡ ከም ሕሩያት ኣምላኽ፡+ ቅዱሳትን ፍቑራትን ኴንኩም፡ ልባዊ ርሕራሐ፡+ ለውሃት፡ ትሕትና፡+ ልእመት፡+ ዓቕሊ+ ልበሱ። 13 ሓደ ኣብቲ ሓደ ቕር ዜብል ነገር እንተ ኣልይዎ፡+ ንሓድሕድኩም ተዓጋገሱን ብናጻ ይቕረ ተባሃሃሉን።+ ከምቲ የሆዋ* ብናጻ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩ።+ 14 ኣብ ልዕሊ እዚ ዅሉ እውን፡ ፍቕሪ ፍጽምቲ ማእሰር ሓድነት እያ+ እሞ፡ ልበስዋ።+
15 እቲ ብሓደ ሰብነት እተጸዋዕኩምሉ ሰላም ክርስቶስ ከኣ ኣብ ልብኹም ይግዛእ።*+ ኣመስገንቲ እውን ኩኑ። 16 ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ ብብዝሒ ይሕደርኩም። ብልብኹም ንየሆዋ* እናዘመርኩም፡ ብመዝሙርን+ ብውዳሰ ኣምላኽን ብምስጋና ብዚዝመር* መንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተማሃሃሩን ተተባብዑን።*+ 17 ብቓል ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ድማ፡ ብየሱስ ንኣቦና ኣምላኽ እናኣመስገንኩም፡ ኵሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ።+
18 ኣትን ኣንስቲ፡ ከምቲ ንጐይታ ዚግባእ ጌርክን ንሰብኡትክን ተገዝኣኦም።+ 19 ኣቱም ሰብኡት፡ ንኣንስትኹም ኣፍቅርወን እምበር፡+ ኣይትነድሩለን።*+ 20 ኣቱም ውሉዳት፡ እዚ ንጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።+ 21 ኣቱም ኣቦታት፡ ሕልናኦም ምእንቲ ኸይዓርቦም፡* ንውሉዳትኩም ኣይተሕርቕዎም።*+ 22 ኣቱም ባሮት፡ ነቶም ሰብኣውያን* ጐይተትኩም፡+ ንሰብ ባህ ከም እተብሉ ዄንኩም ንገጽ ርአ ዘይኰነስ፡ ብግርህነት ልብን ብፍርሃት የሆዋን* ብዅሉ ተኣዘዝዎም። 23 እትገብርዎ ዘበለ ንሰብ ዘይኰነስ፡ ንየሆዋ* ኸም እትገብርዎ ጌርኩም፡ ብምሉእ ነፍስኹም* ግበርዎ፣+ 24 ከመይሲ፡ እቲ ርስቲ ኻብ የሆዋ* ኸም ዓስቢ ኸም እትቕበልዎ ትፈልጡ ኢኹም።+ ንጐይታና ክርስቶስ ተገዝእዎ። 25 እቲ ዚዕምጽሲ ኸምቲ ዝዓመጾ ኺፍደ እዩ፣+ ኣድልዎ ድማ የልቦን።+