መዝሙር ምድያብ።
128 ንየሆዋ ዚፈርሆ፡
ብመገድታቱ ድማ ዚመላለስ ዘበለ ሕጉስ እዩ።+
2 ኣእዳውካ ዝጸዓራሉ ኽትበልዕ ኢኻ።
ሕጉስ ክትከውን፡ ጽቡቕ እውን ኪዀነልካ እዩ።+
3 ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራዪት ተኽሊ ወይኒ ኽትከውን እያ፣+
ደቅኻ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም እተተኽሉ ጨናፍር ኦም ኣውልዕ ኪዀኑ እዮም።
4 እንሆ፡ ንየሆዋ ዚፈርሆ ሰብ
ከምኡ እዩ ዚባረኽ።+
5 የሆዋ ኻብ ጽዮን ኪባርኸካ እዩ።
ኵለን መዓልትታት ህይወትካ፡ ጽቡቕ የሩሳሌም ርአ፣+
6 ደቂ ደቅኻ እውን ርአ።
ሰላም ኣብ እስራኤል ይኹን።