ሆሴእ
3 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “መሊስካ ኺድ እሞ፡ ከምቲ የሆዋ ንህዝቢ እስራኤል ናብ ካልኦት ኣማልኽቲ እናተመልሱን+ ጎጎ ዘቢብ* እናፈተዉን ክነሶም ዜፍቅሮም፡+ ነታ ብኻልእ ሰብኣይ እትፍቀርን እትዝሙን ዘላ ሰበይቲ ኣፍቅራ” በለኒ።+
2 ስለዚ፡ ብ15 ብሩርን ብሓደ ሖመርን* ፈረቓን ስገምን ንዓይ ዓደግክዋ። 3 ሽዑ፡ “ንብዙሕ መዓልትታት ናተይ ኴንኪ ኽትጸንሒ ኢኺ። ኣይትመንዝሪ፡ ምስ ካልእ ሰብኣይ ከኣ ብስጋ ኣይትራኸቢ፣ ኣነ እውን ምሳኺ ኣብ ዘሎኒ ርክብ ከምኡ ክኸውን እየ”* በልክዋ።
4 ከመይሲ፡ ህዝቢ እስራኤል ብዘይ ንጉስን+ ብዘይ መስፍንን ብዘይ መስዋእትን ብዘይ ሓወልትን ብዘይ ኤፎድን+ ተራፊምን*+ ብዙሕ መዓልትታት ኪቕመጡ እዮም። 5 ድሕሪኡ፡ ህዝቢ እስራኤል ተመሊሶም ንየሆዋ ኣምላኾምን+ ንንጉሶም ዳዊትን+ ኪደልዩ፡ በተን ዳሕሮት መዓልትታት ከኣ ራዕራዕ እናበሉ ናብ የሆዋን ናብ ሕያውነቱን* ኪመጹ እዮም።+