ዘፍጥረት
31 ደቂ ላባን ድማ፡ “እቲ ናይ ኣቦና ዘበለ ዅሉ ያእቆብ ወሲድዎ፣ ካብቲ ናይ ኣቦና ዘበለ ኸኣ ነዚ ዅሉ ሃብቲ ደሊቡ” ይብሉ ኸም ዝነበሩ ሰምዐ።+ 2 ያእቆብ፡ ገጽ ላባን ምስ ጠመተ፡ ንዕኡ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኸም ቀደሙ ኸም ዘይኰነ ረኣየ።+ 3 የሆዋ ኸኣ ንያእቆብ፡ “ናብ ምድሪ ኣቦታትካን ኣዝማድካን ተመለስ፡+ ኣነ እውን ምሳኻ ክኸውን እየ” በሎ። 4 ያእቆብ ድማ ልኢኹ ንራሄልን ንልያን ናብተን መጓሰኡ ናብ መሮር ጸውዐን፡ 5 ከምዚ ኸኣ በለን፦
“ኣቦኽን ንዓይ ዘለዎ ኣረኣእያ ኸም እተቐየረ ርእየ እየ፣+ ኣምላኽ ኣቦይ ግና ምሳይ ነበረ።+ 6 ንኣቦኽን ብዅሉ ሓይለይ ከም እተገዛእክዎ፡ ባዕልኻትክን ብርግጽ ትፈልጣ ኢኽን።+ 7 ኣቦኽን ከኣ ዓስበይ ዓሰርተ ሳዕ እናለዋወጠ ኣታሊሉኒ፣ ኣምላኽ ግና ኪጐድኣኒ ኣይፈቐደሉን። 8 በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ‘ትኳዕ ትኳዕ ዘበላ ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለ፡ ኵለን እተን መጓሰ ትኳዕ ትኳዕ ወለዳ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ‘ሽራጥ ሽራጥ ዘበላ ዓስብኻ ይኹና’ ምስ በለ ኸኣ፡ ኵለን እተን መጓሰ ሽራጥ ሽራጥ ወለዳ።+ 9 በዚ ኸምዚ፡ ኣምላኽ ማል ኣቦኽን ኣግዲፉ ንዓይ ሃበኒ። 10 በቲ እተን መጓሰ ዚስረራሉ እዋን ኣዒንተይ ኣልዓልኩ፡ ብሕልሚ ኸኣ እቶም ነተን መጓሰ ዚሰርሩወን ድቤላታት፡ ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ነጠብጣብን ምዃኖም ረኣኹ።+ 11 ሽዑ፡ መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብሕልሚ፡ ‘ያእቆብ’ በለኒ፣ ኣነ ድማ፡ ‘እነኹ’ በልኩ። 12 ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ኵሎም እዞም ነተን መጓሰ ዚሰርሩወን ዘለዉ ድቤላታት ሽራጥ ሽራጥን ትኳዕ ትኳዕን ነጠብጣብን ምዃኖም ርአ፣ ከመይሲ፡ እቲ ላባን ዝገበረካ ዅሉ ርእየዮ ኣለኹ።+ 13 ኣነ እቲ ሓወልቲ ኣብ ዝቐባእካሉን ንዓይ መብጽዓ ኣብ እተመባጻዕካሉን+ ቤት-ኤል እተረኣኹኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እየ።+ ሕጂ ተንስእ እሞ፡ ካብዛ ምድሪ እዚኣ ናብታ እተወለድካላ ምድሪ ተመለስ’ በለኒ።”+
14 ራሄልን ልያን ከኣ ከምዚ ኢለን መለሳሉ፦ “ደጊምዶ ኣብ ቤት ኣቦና እንወርሶ ግደ ኣልዩና፧ 15 ካብ ሸጠናን ነቲ ምእንታና እተኸፍለ ገንዘብ ካብ በልዖን፡ ከም ጓኖት ቈጺሩናዶ ኣይኰነን፧+ 16 ኵሉ እቲ ኣምላኽ ካብ ኣቦና ዘግደፎ ሃብቲ ናትናን ናይ ደቅናን እዩ።+ ሕጂ እምበኣር፡ ኵሉ እቲ ኣምላኽ ዝበለካ ግበር።”+
17 ሽዑ፡ ያእቆብ ተንሲኡ፡ ደቁን ኣንስቱን ኣብ ኣግማል ኣወጥሐ።+ 18 ንዅለን እተን መጓሰን ንዅሉ እቲ ዘጥረዮ ጥሪትን፡+ ኣብ ጳዳን-ኣራም ዘጥረየን ማሉ፡ ወሲዱ ናብ ኣቦኡ ይስሃቅ ናብ ምድሪ ከነኣን ኪጕዓዝ ጀመረ።+
19 ላባን ከኣ ኣባጊዕ ኪቕምቅም ከይዱ ነበረ፣ ራሄል ድማ ተራፊም*+ ኣቦኣ ሰረቐት።+ 20 ያእቆብ ድማ ንላባን እቲ ኣራማዊ ገለ ኸይበሎ ስለ ዝሃደመ፡ ኣዐሸዎ። 21 ዘለዎ ዅሉ ሒዙ ኸኣ ሃደመ፡ ፈለግ*+ እውን ተሳገረ። ናብ ኣኽራን ጊልዓድ ኣቢሉ ድማ ኣቕንዐ።+ 22 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ያእቆብ ከም ዝሃደመ፡ ንላባን ተነግሮ። 23 ንሱ ኸኣ ኣሕዋቱ* ምስኡ ወሲዱ፡ ደድሕሪኡ መገዲ ሸውዓተ መዓልቲ ሰዓበ፡ ኣብ ኣኽራን ጊልዓድ ከኣ ኣርከቦ። 24 ሽዑ፡ ኣምላኽ ብሕልሚ ለይቲ+ ናብ ላባን እቲ ኣራማዊ+ መጺኡ፡ “ብዛዕባ እቲ ንያእቆብ እትዛረቦ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ተጠንቀቕ”* በሎ።+
25 ያእቆብ ድንኳኑ ኣብ ከረን ተኺሉ ኸሎ፡ ላባን ናብ ያእቆብ ቀረበ፣ ላባን ድማ ምስ ኣሕዋቱ ኣብ ኣኽራን ጊልዓድ ሰፈረ። 26 ሽዑ፡ ላባን ንያእቆብ ከምዚ በሎ፦ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካ፧ ስለምንታይ ኢኻ ዘዐሾኻኒ፧ ስለምንታይከ ኢኻ ንኣዋልደይ ብሰይፊ ኸም እተማረኻ ዝኸብከብካየን፧ 27 ስለምንታይ ኢኻ ኸይነገርካኒ ተሓቢእካ ዝሃደምካን ዘዐሾኻንን፧ እንተ ትነግረኒ፡ ብሓጐስን ብመዝሙርን ብኸበሮን ብመሰንቆን* መሰናበትኩኻ ነይረ። 28 ንስኻ ግና ንደቂ ደቀይን* ንኣዋልደይን ክስዕሞም እኳ ዕድል ኣይሃብካንን። ዕሽነት ኢኻ ጌርካ። 29 ክጐድኣኩም እኽእል* እየ፣ ኣምላኽ ኣቦኹም ግና ትማሊ ለይቲ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ንያእቆብ እትዛረቦ ጽቡቕ ወይ ክፉእ ተጠንቀቕ’ ኢሉ ተዛሪቡኒ እዩ።+ 30 ቤት ኣቦኻ ናፊቕካ ኻብ ከድካስ፡ ስለምንታይ ደኣ ኢኻ ኣማልኽተይ ዝሰረቕካ፧”+
31 ያእቆብ ድማ ንላባን፡ “ኣዋልድካ ብሓይሊ ኸይተግድፈኒ ኢለ ስለ ዝፈራህኩ እየ። 32 እቲ ኣማልኽትኻ እተረኽቦ ኸኣ ብህይወት ኣይንበር። ኣብ ቅድሚ ኣሕዋትና ጐርጒርካ፡ ናትካ ዘበለ ውሰድ” ኢሉ መለሰሉ። ያእቆብ ግና፡ ራሄል ከም ዝሰረቐቶም ኣይፈለጠን ነበረ። 33 ላባን ድማ ናብ ድንኳን ያእቆብን ናብ ድንኳን ልያን ናብ ድንኳን ክልቲአን ባሮትን ኣተወ፣+ ግናኸ ኣይረኸቦምን። ካብ ድንኳን ልያ ወጺኡ ኸኣ፡ ናብ ድንኳን ራሄል ኣተወ። 34 ራሄል ድማ ነቶም ተራፊም ወሲዳ፡ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኮረሻ ገመል ኣእትያ፡ ኣብ ልዕሊኦም ኮፍ በለት። ላባን ከኣ ንብዘላ እታ ድንኳን ጐርጐራ፣ ግናኸ ኣይረኸቦምን። 35 ንሳ ኸኣ ንኣቦኣ፡ “ጐይታይ፡ እቲ ናይ ኣንስቲ ልምዲ መጺኡኒ እዩ እሞ፡+ ኣብ ቅድሜኻ ሓፍ ክብል ብዘይምኽኣለይ፡ ኣይትቈጣዕ” በለቶ። ንሱ ድማ ኣጸቢቑ ጐርጐረ፣ ግናኸ ነቶም ተራፊም ኣይረኸቦምን።+
36 ሽዑ፡ ያእቆብ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ንላባን ድማ ነቐፎ። ያእቆብ ድማ ንላባን ከምዚ በሎ፦ “ደድሕረይ ዝሰዓብካስ፡ እንታይ እዩ በደለይ፧ እንታይከ እዩ ሓጢኣተይ፧ 37 ሕጂ ንዅሉ ኣቕሖይ ጐርጒርካኸ፡ ካብ ኣቕሑ ቤትካ እንታይ ረኺብካ፧ ኣብ መንጎ ኽልቴና ኺፈርዱስ፡ ኣብዚ ኣብ ቅድሚ ኣሕዋተይን ኣሕዋትካን ኣንብሮ። 38 ኣብዘን ምሳኻ ዝነበርኩለን 20 ዓመት፡ ኣባጊዕካን ኣጣልካን ኣየቘልዓን፣+ ደዓውል መጓሰኻ እውን ከቶ ኣይበላዕኩን። 39 ኣራዊት ዝሰላልዖ እንስሳ ባዕለይ ተካእኩልካ እምበር፡ ኣየምጻእኩልካን።+ መዓልቲ እተሰርቀ ዀነ ለይቲ እተሰርቀ እንስሳ ድማ፡ ካብ ኢደይ ትደልዮ ነበርካ። 40 ብመዓልቲ ሃሩር፡ ብለይቲ እውን ቍሪ ወዲኡኒ፡ ድቃስ ከኣ ካብ ዓይነይ በረረ።+ 41 በዚ ኸምዚ ኣብ ቤትካ 20 ዓመት ገበርኩ። 14 ዓመት ምእንቲ ኽልቲአን ኣዋልድካ፡ 6 ዓመት ከኣ ምእንቲ መጓሰኻ ተገዛእኩኻ፣ ዓስበይ ከኣ ዓሰርተ ሳዕ ለዋወጥካ።+ 42 ኣምላኽ ኣቦይ፡+ ኣምላኽ ኣብርሃምን እቲ ይስሃቅ ዚፈርሆን፡*+ ምሳይ እንተ ዘይህሉስ፡ ሕጂ ጥራይ ኢደይ ምሰደድካኒ ኔርካ። ኣምላኽ ግና መከራይን ጻዕሪ ኢደይን ረኣየ፣ ስለዚ ድማ እዩ ትማሊ ለይቲ ዝገንሓካ።”+
43 ላባን ድማ ንያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እዘን ኣዋልድ፡ ኣዋልደይ እየን፣ እዞም ደቂ ኸኣ፡ ደቀይ እዮም፣ እዘን መጓሰ ድማ፡ መጓሰይ እየን፣ ኵሉ እዚ እትርእዮ ዘለኻ ኸኣ፡ ናተይን ናይ ኣዋልደይን እዩ። ሎሚ እሞ ኣብ ልዕሊ እዚኣተን ኰነ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝወለዳኦም ደቀን እንታይ ክገብር እየ፧ 44 ሕጂ ንዓ ኣነን ንስኻን ኪዳን ንተኣታቶ፣ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ድማ ምስክር ኪኸውን እዩ።” 45 ያእቆብ ከኣ እምኒ ወሲዱ ሓወልቲ ገይሩ ኣቘሞ።+ 46 ያእቆብ ድማ ንኣሕዋቱ፡ “ኣእማን እረዩ” በሎም። ኣእማን ወሲዶም ከኣ ጨርሒ ጨርሑ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ጨርሒ በልዑ። 47 ላባን ድማ ይጋር-ሰሃዱታ* ኢሉ ሰመዮ፣ ያእቆብ ከኣ ጋልዔድ* ኢሉ ሰመዮ።
48 ሽዑ፡ ላባን፡ “ሎሚ እዚ ጨርሒ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር እዩ” በለ። ስለዚ፡ ስሙ ጋልዔድ ተባህለ፣+ 49 ግምቢ ዘብዐኛ እውን ተባህለ፣ ከመይሲ፡ “ንሓድሕድና ኣብ ዘይንርኣኣየሉ፡ የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይቋመት። 50 ንኣዋልደይ እንተ ገፊዕካየንን ኣብ ልዕሊ ኣዋልደይ ካልኦት ኣንስቲ እንተ ኣእቲኻን፡ ምሳና እኳ ሰብ እንተ ዘየልቦ፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ምስክር ምዃኑ ዘክር” ኢሉ ነበረ። 51 ላባን ድማ መሊሱ ንያእቆብ ከምዚ በሎ፦ “እንሆ እዚ ጨርሒ፡ እንሆ ኸኣ እዚ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ዝተኸልክዎ ሓወልቲ። 52 ኣነ ኽጐድኣካ ኢለ ነዚ ጨርሒ እዚ ኸይሓልፍ፡ ንስኻ እውን ክትጐድኣኒ ኢልካ ነዚ ጨርሒ እዝን ነዚ ሓወልቲ እዝን ከይትሓልፍ፡ እዚ ጨርሒ እዚ ምስክር እዩ፡ እዚ ሓወልቲ እዚ እውን ይምስክር እዩ።+ 53 ኣምላኽ ኣብርሃምን+ ኣምላኽ ናሆርን፡ ኣምላኽ ኣቦኦም፡ ኣብ መንጎና ይፍረድ።” ያእቆብ ድማ በቲ ኣቦኡ ይስሃቅ ዚፈርሆ፡* መሓለ።+
54 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ኣብቲ ኸረን መስዋእቲ ሰውአ፣ ንኣሕዋቱ ኸኣ እንጌራ ኺበልዑ ዓደሞም። በሊዖም ከኣ ኣብቲ ኸረን ሓደሩ። 55 ላባን ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፡ ንደቂ ደቁን*+ ንኣዋልዱን ከኣ ስዒሙ መረቖም።+ ድሕሪኡ፡ ላባን ነቒሉ ናብ ዓዱ ተመልሰ።+