2 ዜና መዋእል
1 ሰሎሞን ወዲ ዳዊት ድማ ኣብ ንግስናኡ እናበርትዐ ኸደ፣ የሆዋ ኣምላኹ ኸኣ ምስኡ ነበረ፡ ኣዝዩ እውን ኣዕበዮ።+
2 ሰሎሞን ድማ ናብ ኵሉ እስራኤል፡ ናብ ኣሕሉቕ ሽሕን ናብ ኣሕሉቕ ሚእትን ናብ ፈራዶን ናብ ኵሎም ሹማምንቲ ብዘሎ እስራኤልን ናብ ርእስታት ማይ ቤትን ለኣኸ። 3 ሽዑ፡ ሰሎሞንን ኵሉ እቲ ጉባኤን፡ እቲ ሙሴ ጊልያ የሆዋ ኣብ በረኻ ዝገበሮ ድንኳን ምርኻብ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብኡ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ+ ከዱ። 4 ግናኸ፡ ዳዊት ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ናብታ ዳዊት ዘዳለወሉ ቦታ ኣደይብዎ ነበረ፣+ ኣብ የሩሳሌም ከኣ ድንኳን ተኺሉሉ ነበረ።+ 5 እቲ በሳልኤል+ ወዲ ኡሪ ወዲ ሑር ዝገበሮ መሰውኢ ነሓሲ+ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ማሕደር የሆዋ ተነቢሩ ነበረ፣ ሰሎሞንን እቲ ጉባኤን ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ይጽልዩ* ነበሩ። 6 ሰሎሞን ድማ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ መስዋእቲ ሰውአ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ድንኳን ምርኻብ መሰውኢ ነሓሲ+ ኸኣ 1,000 ዚሓርር መስዋእቲ ሰውአ።
7 ኣምላኽ ድማ በታ ለይቲ እቲኣ ንሰሎሞን ተራእዮ፣ “እንታይ ክህበካ ኸም እትደሊ ለምን” ከኣ በሎ።+ 8 ሰሎሞን ድማ ንኣምላኽ ከምዚ በሎ፦ “ንስኻ ንኣቦይ ዳዊት ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ፡+ ኣብ ክንዳኡ እውን ኣንጊስካኒ ኢኻ።+ 9 ሕጂ ኸኣ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኸም ሓመድ ምድሪ ኣብ ልዕሊ ዝምብዛሑ ህዝቢ ኣንጊስካኒ ኢኻ እሞ፡+ እቲ ንኣቦይ ዳዊት ዘተስፎኻዮ ተስፋ እሙን ይኹን።+ 10 ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧+ ሕጂ እምበኣር፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ኽመርሕሲ፡* ጥበብን ፍልጠትን ሃበኒ።”+
11 ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “እዚ ነገር እዚ ትምኒት ልብኻ ስለ ዝዀነ፡ ሃብቲ፡ ጥሪት፡ ክብሪ፡ ወይ ሞት* ጸላእትኻ ስለ ዘይለመንካ፡ ንርእስኻ እውን ነዊሕ ዕድመ* ስለ ዘይለመንካ፡ የግዳስ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ንምፍራድ ጥበብን ፍልጠትን ስለ ዝለመንካ፡+ 12 ጥበብን ፍልጠትን ኪውሃበካ እዩ፣ ከምኡ ድማ ቅድሜኻ ንዝነበሩ ነገስታት ዘይነበሮም፡ ብድሕሬኻ ንዚትንስኡ እውን ዘይህልዎም ሃብትን ጥሪትን ክብርን ክህበካ እየ።”+
13 ሰሎሞን ካብቲ ኣብ ጊብዖን ዝነበረ በሪኽ፡+ ካብ ቅድሚ እቲ ድንኳን ምርኻብ፡ ናብ የሩሳሌም መጸ፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከኣ ነገሰ። 14 ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ኣፍራስን* ኣከበ፣ 1,400 ሰረገላን 12,000 ፈረስን*+ ከኣ ነበርዎ፣ ኣብ ከተማታት ሰረገላን+ ኣብ ጥቓ ንጉስ ኣብ የሩሳሌምን ድማ ኣቐመጦም።+ 15 ንጉስ ከኣ ንብሩርን ንወርቅን ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ዝምብዛሑ ገበሮ፣+ ንዕንጨይቲ ቄድሮስ እውን ኣብ ሼፈላ ኸም ዘሎ ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።+ 16 ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ ይኣትዉ ነበሩ፣+ ጕጅለ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ንኣፍራስ ብሕደ ዋጋ ብመጓሰ የምጽኡ ነበሩ።*+ 17 ካብ ግብጺ ዚኣቱ ዝነበረ ሰረገላ፡ ነንሓደ 600 ብሩር፡ ሓደ ፈረስ ድማ 150 የውጽእ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ ኵሎም ነገስታት ሔታውያንን ነገስታት ሶርያን ይሰድዱ ነበሩ።