135 ንያህ ወድስዎ!
ስም የሆዋ ወድሱ፣
ኣቱም ገላዉ የሆዋ፡ ወድሱ።+
2 ኣቱም ኣብ ቤት የሆዋ፡
ኣብ ኣጸዳት ቤት ኣምላኽና እትቘሙ፡ ወድሱ።+
3 የሆዋ ሕያዋይ እዩ እሞ፡ ንያህ ወድስዎ።+
ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንስሙ ውዳሰ ዘምሩሉ።
4 ያህሲ ንያእቆብ፡ ንዕኡ ኪኸውን፡
ንእስራኤል ከኣ፡ ፍሉይ ጥሪቱ ኪኸውን ሓርይዎ እዩ።+
5 የሆዋ ዓብዪ ምዃኑስ ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ፣
ጐይታና ኻብ ኵሎም ኣማልኽቲ ይዓቢ።+
6 የሆዋ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን፡ ኣብ ባሕርታትን ኣብ ኵሉ መዓሙቝን፡
ባህ ዝበሎ ዅሉ ይገብር እዩ።+
7 ካብ ወሰናት ምድሪ ደበናታት የዕርግ፣
ንዝናም በርቂ ይገብረሉ፣
ካብ ማዕከኑ ንፋስ የውጽእ።+
8 ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡
በዅራት ግብጺ ወቕዐ።+
9 ኦ ግብጺ፡ ኣብ ልዕሊ ፈርኦንን ኣብ ልዕሊ ዅሎም ገላዉኡን፡+
ኣብ መንጎኺ ትእምርትታትን ተኣምራትን ሰደደ።+
10 ብዙሓት ኣህዛብ ወቕዐ፣+
ሓያላት ነገስታት ድማ ቀተለ፣+
11 እወ፡ ንሲሆን ንጉስ ኣሞራውያንን+
ንዖግ ንጉስ ባሳንን+
ንዅለን መንግስትታት ከነኣንን ኣጥፍአ።
12 ምድሮም ከኣ ርስቲ ገይሩ ሃበ፣
ንህዝቡ እስራኤል ኣረስተዮ።+
13 ኦ የሆዋ፡ ስምካ ንዘለኣለም ይነብር እዩ።
ኦ የሆዋ፡ ዝናኻ ንውሉድ ወለዶ ይነብር እዩ።+
14 የሆዋስ ንህዝቡ ኺጣበቐሎም፡+
ንገላዉኡ ድማ ኪርሕርሓሎም እዩ።+
15 ጣኦታት ኣህዛብሲ ኢድ ሰብ ዝገበሮም
ብሩርን ወርቅን እዮም።+
16 ኣፍ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይዛረቡን፣+
ኣዒንቲ ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይርእዩን፣
17 ኣእዛን ኣለዎም፡ ግናኸ ኣይሰምዑን፣
ኣብ ኣፎም ድማ ትንፋስ የልቦን።+
18 እቶም ዚገብርዎም፡ ከማታቶም ኪዀኑ እዮም፣+
ኵሎም እቶም ብኣታቶም ዚእመኑ እውን ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+
19 ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ንየሆዋ ወድስዎ።
ኣቱም ቤት ኣሮን፡ ንየሆዋ ወድስዎ።
20 ኣቱም ቤት ሌዊ፡ ንየሆዋ ወድስዎ።+
ኣቱም ንየሆዋ እትፈርሁ፡ ንየሆዋ ወድስዎ።
21 እቲ ኣብ የሩሳሌም ዚነብር የሆዋ፡+
ካብ ጽዮን ይወደስ።+
ንያህ ወድስዎ!+