እዮብ
27 እዮብ ድማ መሊሱ ኸምዚ ኢሉ ተዛረበ፦*
2 “ከምቲ እቲ ፍትሒ ዝኸልኣኒ ኣምላኽ ህያው ዝዀነ፡+
ከምቲ እቲ ዘመረረኒ* ዅሉ ዚኽእል ህያው ዝዀነ፡+
3 ትንፋሰይ ኣብ ውሽጠይ ክሳዕ ዘሎ፡
መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ኣፍንጫይ ክሳዕ ዘሎ፡+
4 ከናፍረይ ዓመጻ ኣይኪዛረባን እየን፡
ልሳነይ እውን ተንኰል ኣይከተዕዘምዝምን እያ!
5 ንስኻትኩም ጻድቃን ኢኹም ክብልሲ ዘይሕሰብ እዩ!
7 ጸላእየይ ከም እኩይ ይኹን፣
እቶም ዜጥቅዑኒ ድማ ከም ዓማጺ ይኹኑ።
9 ጭንቂ ምስ ወረዶ፡
ኣምላኽዶ ኣውያቱ ይሰምዕ እዩ፧+
10 ወይስ በቲ ዅሉ ዚኽእልዶ ደስ ይብሎ እዩ፧
ኵሉ ግዜኸ ናብ ኣምላኽዶ ይምህለል እዩ፧
11 ብዛዕባ ሓይሊ* ኣምላኽ ክምህረኩም፡
ብዛዕባ እቲ ዅሉ ዚኽእል ድማ ሓንቲ እኳ ኣይክሓብኣልኩምን እየ።
12 እንሆ፡ ኵላትኩም ራእያት እንተ ርኢኹም ደኣ፡
ዘረባኹም ፈጺሙ ባዶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
13 ካብ ኣምላኽ ዚውሃብ ግደ እቲ እኩይ፡+
ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ዚቕበልዎ ርስቲ ጨቈንቲ እዚ እዩ።
14 ደቁ እንተ በዚሖም፡ ብሰይፊ ይወድቁ፣+
ዘርኡ ኸኣ እኹል ምግቢ ኣይረኽቡን።
15 እቶም ተረፉ ብመቕዘፍቲ ይቕበሩ፣
መበለታቶም ድማ ኣይበኽያሎምን።
16 ንብሩር ከም ሓመድ እኳ እንተ ዀመሮ፡
ንብሉጽ ክዳውንቲ እውን ከም መሬት እኳ እንተ ደለቦ፡
17 ዋላ እኳ እንተ ኣከቦ፡
ጻድቕ ይኽደኖ፣+
ንጹህ ከኣ ንብሩሩ ይማቐሎ።
18 እታ ዚሰርሓ ቤት፡ ከም ቆፎ ሓሰኻ ተነቃፊት እያ፣
ከምታ ሓላዊ ዚሰርሓ ጎጆ እያ።+
19 ሃብቲሙ ይድቅስ፣ ግናኸ፡ ሓንቲ እኳ ኣይእክብን፣
ኣዒንቱ ምስ ከፈተ፡ ኣብኡ ሓንቲ እኳ ኣይትህሉን።
20 ሽበራ ኸም ውሒዝ የርክቦ፣
ህቦብላ ኸኣ ብለይቲ ይምንዝዖ።+
21 ንፋስ ምብራቕ ይወስዶ እሞ ይኸይድ፣
ካብ ቦታኡ ይጸርጎ።+