መጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ንኸንብብ ኣተባቢዓቶ
እታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትበሃል ብሮሹር ንሓደ ኣብ ሜክሲኮ ዝነብር ሰብኣይ መጽሓፍ ቅዱስ እንደገና ንኸንብብ ኣተባቢዓቶ ኢያ። እዚ ሰብኣይ እዚ ብዛዕባ እታ ብሮሹር ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:-
“እቲ ሓድሽን ምኽንያታውን ኣቀራርባ ናይዚ ኣርእስትታት እዚ ንኣንባቢ እዛ ብሮሹር እዚኣ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸንብብ ባህጊ የሕድረሉ ኢዩ። . . . ኣነ ብወገነይ እቲ መእተዊ: መወከሲታት: ከምኡውን ‘እቲ ህያው ቋንቋታት “ዝዛረብ” መጽሓፍ’: ‘እዚ መጽሓፍ እዚ ክእመን ዝከኣል ድዩ፧’ ‘እዚ መጽሓፍ እዚ ምስ ስነ-ፍልጠት ዝሰማማዕ ድዩ፧’ ዝብል ኣርእስትታት ኣሐጒስኒ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣርእስቲ ቀሊልን ድልዱል መሰረት ዘለዎን ብግቡእ እተገልጸን ኢዩ። . . .
“ብብሕተይ: በዚ ትምህርቲ እዚ ኣጸቢቐ ተተባቢዐ ኢየ። ቅድሚ ሕጂ ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ኣንቢበዮ ኢየ: ነዛ ብሮሹር እዚኣ ምስ ኣንበብኩዋ መጀመርታ ዝገበርክዎ ነገር ግን ነቲ ፍሩይ ሕታም መጽሓፍ ቅዱስ ምውናን ኢዩ። ሕጂ: እዚ ካብ ዝኸውን ድሕሪ ሰሙን ማለት ኢዩ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ብውዕዉዕ ስምዒትን ዝያዳ ንኽፈልጥ እናበሃግኩን አንብቦ ኣለኹ።”
ካብዛ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትበሃል 32 ገጽ ዘለዋ ብሮሹር ብዙሕ ከም እትጥቀም ርግጸኛታት ኢና። ነዛ ኣብዛ መጽሔት እዚኣ ዘላ ኩፖን መሊእካ ናብቲ ኣብኣ ተጻሒፉ ዘሎ ኣድራሻ ወይ ድማ ካብቲ ኣብ ገጽ 5 ናይዛ መጽሔት እዚኣ ዘሎ ኣድራሻታት ናብ ዝቐርበካ ብምልኣኽ ቅዳሕ ናይዛ ብሮሹር እዚኣ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ስእሊ]
□ ቅዳሕ ናይታ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ እትበሃል ብሮሹር ልኣኹለይ።
በየናይ ቋንቋ ከም እትደሊ ሓብር
□ በጃኹም ናጻ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምር በዚ ኣድራሻ እዚ ርኸቡኒ።