ዛንታ 20
ዲና ኣብ ሽግር ትኣቱ
ዲና ናብ መን ትኸይድ ከም ዘላዶ ትርኢ ኣለኻ፧ ንገለ ኣብ ምድሪ ከነኣን ዝነበራ ኣዋልድ ክትርኢ ኢያ ትኸይድ ዘላ። ብዛዕባ እዚ ኣቡኣ ያእቆብ ዝሕጐስዶ ይመስለካ፧ ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ክሕግዘካ ኣብርሃምን ይስሃቅን ብዛዕባ እተን ኣብ ከነኣን ዝነበራ ኣንስቲ እንታይ ይስምዖም ከም ዝነበረ ክትዝክር ፈትን።
ኣብርሃም ወዱ ይስሃቅ ካብ ኣዋልድ ከነኣን ክምርዖ ይደልዮዶ ነይሩ ኢዩ፧ ኣይፋሉን ኣይደልን ኢዩ ነይሩ። ይስሃቅን ርብቃን ወዶም ያእቆብ ከነኣናዊት ጓል ክምርዖ ይደልዩዶ ነይሮም፧ ኣይፋሎምን: ኣይደልዩን ኢዮም ነይሮም። ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጥዶ፧
እቶም ኣብ ከነኣን ዝነበሩ ሰባት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ የምልኹ ስለ ዝነበሩ ኢዩ። በዓልቲ ቤትን በዓል ቤትን ክዀኑ ዝኽእሉ ቅኑዓት ሰባት ኣይነበሩን: ከም ኣዕሩኽ እውን እትቐርቦም ኣይነበሩን። ስለዚ ያእቆብ ጓሉ ምስ እዘን ከነኣናውያን ኣዋልድ ምሕዝነት ክትገብር ክርእያ ከም ዘየሕጕሶ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።
ብርግጽ ከኣ ዲና ኣብ ሽግር ወደቐት። እቲ ኣብቲ ስእሊ ንዲና ዝጥምታ ዘሎ ከነኣናዊ ወዲ ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ ስሙ ሴኬም ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ዲና ክትርእዮም ምስ ከደት: ሴኬም ንዲና ወሰዳ ምስኡ ንኽትድቅስ ከኣ ኣገደዳ። እዚ ጌጋ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ ኢዮም ብሓንሳእ ክድቅሱ ዝግብኦም። እዚ ሴኬም ንዲና ዝገበራ ሕማቕ ነገር ከኣ ዝያዳ ካልእ ሽግራት ኣስዓበ።
ኣሕዋት ዲና ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ነገር ምስ ሰምዑ: ኣዝዮም ሓረቑ። ክልተ ካብኣቶም ስምኦንን ሌዊን: ኣዝዮም ብምሕራቖም ሴፍ ወሲዶም ብሃንደበት ናብታ ከተማ ከዱ። ንሳቶምን ኣሕዋቶምን ንሴከምን ንዅሎም እቶም ካልኦት ሰባትን ቀተልዎም። ደቁ እዚ ሕማቕ ነገር እዚ ስለ ዝገበሩ ያእቆብ ጓሃየ።
እዚ ዅሉ ሽግር ብኸመይ ተጀመረ፧ ዲና ንሕጊ ኣምላኽ ምስ ዘይእዘዙ ሰባት ምሕዝነት ስለ ዝገበረት ኢዩ። ከምዚኣቶም ዝበሉ ኣዕሩኽ ክንገብር ኣይንደልን ኢና: ኣይኰነንዶ ኢዩ፧