ዛንታ 55
ሓደ ንእሽቶ ወዲ ንኣምላኽ የገልግል
እዝስ ደስ ዝብል ንእሽቶ ወዲዶ ኣይኰነን፧ ስሙ ሳሙኤል ኢዩ። እቲ ኢዱ ኣብ ርእሲ ሳሙኤል ገይሩ ዘሎ ሰብኣይ ከኣ እቲ ናይ እስራኤል ሊቀ ካህናት ዝነበረ ኤሊ ኢዩ። እቶም ንሳሙኤል ናብ ኤሊ ዘምጽእዎ ዘለዉ ኸኣ ኤልቃና ኣቦ ሳሙኤልን ኣዲኡ ሃናን ኢዮም።
ሳሙኤል ወዲ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ዓመት ኢዩ። ግናኸ ኣብ ማሕደር የሆዋ ምስ ኤሊን ምስቶም ካልኦት ካህናትን ክነብር ኢዩ። ኤልቃናን ሃናን ነቲ ኣዝዩ ንእሽቶ ቘልዓ ዝዀነ ሳሙኤል ኣብ ማሕደር የሆዋ ንኸገልግል ዝውፍይዎስ ስለምንታይ ኢዮም፧ እስከ ንርአ።
እዚ ቅድሚ ምዃኑ ሒደት ዓመታት ሃና ኣዝያ ሓዚና ኢያ ነይራ። ምኽንያቱ ክትወልድ ኣይትኽእልን ኢያ ነይራ: ቈልዓ ክትወልድ ከኣ ኣጸቢቓ ትብህግ ነበረት። ስለዚ ሓደ መዓልቲ ሃና ናብ ማሕደር የሆዋ ምስ ከደት: ከምዚ ኢላ ጸለየት:- ‘ዎ የሆዋ ኣይትረስዓኒ! ንባርያኻ ተባዕታይ ውሉድ እንተድኣ ሂብካኒ: ኣነ ድማ ኵሉ ዘበን ህይወቱ ንዓኻ ከገልግል ክህቦ ኢየ።’
የሆዋ ንጸሎት ሃና መለሰሉ: ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ከኣ ንሳሙኤል ወለደት። ሃና ነቲ ንእሽቶ ወዳ ተፍቅሮ ነበረት: ገና ኣዝዩ ንእሽቶ ኸሎ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ክትምህሮ ጀመረት። ንሰብኣያ ኸኣ ‘ሳሙኤል ጡብ ምስ ሓደገ ናብ ማሕደር ክወስዶ ኢየ ኣብኡ ኸኣ ንሓዋሩ ንየሆዋ ከገልግሎ ኢዩ’ በለቶ።
ሃናን ኤልቃናን ከምኡ ክገብሩ ከለዉ ኢና ኣብዚ ስእሊ እንርእዮም ዘሎና። ሳሙኤል ከኣ ብወለዱ ኣጸቢቑ እተማህረ ስለ ዝነበረ: ንየሆዋ ንምግልጋል ናብ ድንኳን የሆዋ ብምኻዱ ተሓጐሰ። ሃናን ኤልቃናን ኣብዚ ፍሉይ ድንኳን ንየሆዋ ንምምላኽን ንወዶም ንምብጻሕን ነፍሲ ወከፍ ዓመት ይመጹ ነበሩ። ነፍሲ ወከፍ ዓመት ከኣ ሃና ንሳሙኤል ወዳ: ቀሚሽ ላዕሊ ተምጽኣሉ ነበረት።
እቲ ዓመታት ክሓልፍ ከሎ: ሳሙኤል ኣብ ማሕደር የሆዋ ምግልጋል ቀጸለ: የሆዋን እቶም ህዝብን ከኣ ፈተውዎ። ሆፍንን ፊንሃስን እቶም ደቂ ሊቀ ካህናት ኤሊ ግን እኩያት ኢዮም ነይሮም። ብዙሕ እኩይ ነገራት ይገብሩ: ንኻልኦት ከኣ ንየሆዋ ከም ዘይእዘዙ ይገብርዎም ነበሩ። ኤሊ ካህናት ካብ ምዃን ከልግሶም ነበሮ: እንተዀነ ግን ኣየልገሶምን።
እቲ መንእሰይ ዝነበረ ሳሙኤል ዝዀነ ይኹን ካብቲ ኣብ ማሕደር ዝግበር ዝነበረ እከይ ነገራት ንየሆዋ ካብ ምግልጋል ደው ከም ዘብል ኣይገበሮን። እቶም ንየሆዋ ዘፍቅርዎ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት ስለ ዝነበሩ ግን የሆዋ ንሰባት ካብ ዘይዛረብ ብዙሕ ዓመታት ኰይኑ ነበረ። ሳሙኤል ቁሩብ ምስ ዓበየ ግን እዚ ዝስዕብ ነገር ኣጋጠመ።
ሳሙኤል ድምጺ ካብ ድቃሱ ከተንስኦ ከሎ ኣብቲ ማሕደር ደቂሱ ኢዩ ነይሩ። ‘እኔኹ:’ ኢሉ ድማ መለሰ። ተንሲኡ ድማ ናብ ኤሊ ከደ እሞ: ‘ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ: እኔኹ’ በሎ።
ኤሊ ግን ‘ኣነስ ኣይጸዋዕኩኻን: ተመሊስካ ደኣ ደቅስ’ በሎ። ሳሙኤል ድማ ናብ መደቀሲኡ ተመልሰ።
ብድሕርዚ ካልኣይ ግዜ ‘ሳሙኤል!’ ዝብል ጻውዒት ሰምዐ። ሳሙኤል ከኣ ተንሲኡ ናብ ኤሊ እናጐየየ ከደ። ‘ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ: እኔኹ’ በሎ። ኤሊ ግን ‘ወደየ ኣነስ ኣይጸዋዕኩኻን። ተመሊስካ ደኣ ደቅስ’ በሎ። ሳሙኤል ድማ ናብ መደቀሲኡ ተመልሰ።
እቲ ድምጺ ንሳልሳይ ግዜ ‘ሳሙኤል!’ ብምባል ጸውዖ። ሳሙኤል ድማ ተንሲኡ ናብ ኤሊ ኣናጐየየ ከደ። ‘ጸዊዕካኒ ኢኻ እሞ: እኔኹ’ በሎ። ሕጂ ግን ኤሊ ዝጸውዖ የሆዋ ምዃኑ ተረድአ። ስለዚ ንሳሙኤል ‘ተመሊስካ ደቅስ: መሊሱ እንተድኣ ጸዊዑካ: ዎ የሆዋ ባርያኻ ይሰምዕ ኣሎ እሞ ተዛረብ በሎ’ ኢሉ ንሳሙኤል ነገሮ።
የሆዋ እንደገና ምስ ጸውዖ ሳሙኤል ከምኡ ገበረ። ብድሕርዚ የሆዋ ንኤሊን ደቁን ክቐጽዖም ከም ዝዀነ ንሳሙኤል ነገሮ። ድሓር ሆፍንን ፊንሃስን ምስ ፍልስጥኤማውያን ክዋግኡ ከለዉ ሞቱ: ኤሊ ኸኣ እቲ ዝዀነ ምስ ሰምዐ ወዲቑ ክሳዱ ተሰይሩ ሞተ። እቲ የሆዋ ዝበሎ ቃል ከኣ ሓቂ ኰነ።
ሳሙኤል ዓበየ እሞ ኣብ እስራኤል እቲ ናይ መወዳእታ መስፍን ኰነ። ምስ ኣረገ ኸኣ እቶም ህዝቢ ‘ዝፈርደልና ንጉስ ኣንግሰልና’ ኢሎም ንሳሙኤል ሓተትዎ። ሳሙኤል ከምኡ ክገብር ኣይደለየን ምኽንያቱ ናይ ሓቂ ንጉሶም የሆዋ ኢዩ ነይሩ። የሆዋ ግን ነቶም ህዝቢ ክሰምዖም ነገሮ።