ዛንታ 107
እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ተቐትለ
እቲ ኣብዚ ስእሊ ተምበርኪኹ ዘሎ ሰብኣይ እስጢፋኖስ ይበሃል። እሙን ወደ መዝሙር የሱስ ኢዩ። እንታይ ይገብርዎ ከም ዘለዉ እሞ ርኣይ! እዞም ሰባት ዓበይቲ ኣእማን ይድርብይሉ ኣለዉ። ንእስጢፋኖስ ክሳዕ ክንድዚ ጸሊኦም ከምዚ ዝበለ ሕሰም ዘውርድሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ እስከ ንርአ።
ኣምላኽ ንእስጢፋኖስ ዘገርሙ ብዙሕ ተኣምራት ክገብር ይሕግዞ ነበረ። እዞም ሰባት ግን ከምኡ ኽገብር ኣይደልዩን ኢዮም: ስለዚ ኸኣ ንሰባት ሓቂ ብዛዕባ ምምሃሩ ተኸራኸርዎ። ኣምላኽ ግን ንእስጢፋኖስ ዓቢ ጥበብ ሃቦ እሞ እስጢፋኖስ እዞም ሰባት ሓሶት ይምህሩ ከም ዝነበሩ ኣርኣየ። እዚ ኸኣ ኣጸቢቑ ኣቘጥዖም። ስለዚ ሓዝዎ እሞ ብሓሶት ዝምስክሩ ሰባት ኣምጽኡ።
እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ንእስጢፋኖስ ከምዚ ብምባል ሓተቶ:-‘እዚ ዝብልዎ ዘለዉስ ሓቂ ድዩ፧’ እስጢፋኖስ ከኣ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጽቡቕ ዝርርብ ብምሃብ መለሰ። ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ እኩያት ሰባት ነዊሕ ግዜ ይገብር ንነብያት የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ኣጸቢቖም ይጸልእዎም ከም ዝነበሩ ነገሮም። ድሕርዚ ኸኣ ‘ንስኻትኩም ከኣ ከምኦም ኢኹም። ነቲ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝዀነ የሱስ ቀተልኩምዎ: ንሕጊ ኣምላኽ ከኣ ኣይተኣዘዝኩምን’ በሎም።
እዚ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ኣዝዩ ኣቘጥዖም! ብሕርቃን ዝኣክል ኣስናኖም ሓርቀሙ። ድሕርዚ ግን እስጢፋኖስ ርእሱ ኣቕንዐ እሞ ኸምዚ በለ:- ‘እንሆ ኣብ ሰማይ የሱስ ኣብ የማን ኣምላኽ ደው ኢሉ እርኢ ኣለኹ።’ ኣብዚ እዋን እዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣእዛኖም በእዳዎም ደፊኖም ናብ እስጢፋኖስ ከዱ። ሒዞም ከኣ ካብ ከተማ ኣውጽእዎ።
ክዳውንቶም ኣውጺኦም ከኣ ነቲ ሳውል እተባህለ መንእሰይ ክሕልዎ ኣብ ኣእጋሩ ኣንበርዎ። ንሳውል ትርእዮዶ ኣሎኻ፧ ድሕርዚ ገለ ካብቶም ሰባት ንእስጢፋኖስ ኣእማን ክድርብዩሉ ጀመሩ። ከም እትርእዮ ዘለኻ እስጢፋኖስ ተምበርኪኹ ናብ ኣምላኽ ከምዚ ብምባል ጸለየ:-‘የሆዋ እዚ ሓጢኣት እዚ ኣይትሓዘሎም።’ ገለ ካብኣቶም በቶም መራሕቲ ሃይማኖት ከም እተዓሸዉ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ድሕርዚ እስጢፋኖስ ሞተ።
ሓደ ሰብ ሕማቕ ነገር ምስ ዝገብረካ መሊስካ ኽትጐድኦ: ወይ ከኣ ንኣምላኽ ምእንቲ ኽጐድኦ ትሓቶዶ፧ እስጢፋኖስ ወይ ከኣ የሱስ ከምኡ ኣይገበሩን። ነቶም ሕያውነት ዘየርኣይዎም እውን ከይተረፈ ሕያውነት ኣርእዮም ኢዮም። ኣብነቶም ክንቀድሕ እስከ ንፈትን።