መዝሙር 133
ብንእስነትና ንየሆዋ ነምልኮ
ብወረቐት ኣብ እተሓትመ
1. ኣምላኽ ንዓና ንመንእሰያት፡
ስለ ’ንህቦ ዘሎና ጕልበት፡
ይፈትወና’ዩ፡ ይሕብሕበና፣
ምሉእ ህይወትና ይባርኸና።
2. ንወለድና እንተ ኣኽቢርና፡
ከም ፍቓድ ጐይታ ’ተ ተኣዚዝና፡
ሞገስ ንረክብ ኣብ ቅድሚ ሰባት፡
የሆዋ ይኸውን ፈታዊና።
3. ሃየ ንኣምላኽና ንዘክሮ፣
ሓቂ’ውን ንፍቶ ብንእስነትና፣
ንየሆዋ ‘ተ ሂብና ብሉጽና፡
ነሐጕስ ንልቢ ፈጣሪና።
(መዝ. 71:17፣ ድጕ. 3:27፣ ኤፌ. 6:1-3 እውን ርአ።)