‘ንኣምላኽ የገድሶዶ ኢየ፧’
“የገድስ ድየ፧ ኣምላኽከ ይግደስ ድዩ፧” እዚ ኣብታ ክሪስቺያኒቲ ቱደይ እትበሃል መጽሔት ዝወጸ ኣርእስቲ ናይ ሓደ ዓንቀጽ ኢዩ። ናይቲ ዓንቀጽ ጸሓፊ: ፊሊፕ ያንሲ “ከም ጸሓፊ መጠን ዘሎኒ ሞያ መብዛሕትኡ ኣብቲ ናይ ስቓይ ግድል ዘተኰረ ኢዩ። ልክዕ ከም ንሓደ ፈጺሙ ዘይሓዊ ቝስሊ ምትንካፍ: ብተደጋጋሚ ናብ ሓደ ዓይነት ሕቶታት ኢየ ዝምለስ። ከምዚ ዝበለ ነገራት ካብቶም ንመጻሕፍተይ ዘንብቡ እሰምዖ ኢየ: እቲ ናይ ጭንቀት ዛንታታቶም ድማ ነቲ ጥርጠራታተይ ዝድግፍ ኢዩ።”
ምናልባት ንስኻውን ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ተገዳስነት ትሓትት ትኸውን። ነቲ ኣብ ዮሃንስ 3:16 ዘሎ “ኣምላኽ: . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ” ዝብል ጥቕሲ ትፈልጦ ትኸውን ኢኻ። ወይውን ነቲ ኣብ ማቴዎስ 20:28 ዘሎ የሱስ ‘ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍ መጸ’ ዝብል ጥቕሲ ኣንቢካዮ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ጌና ግን ‘ኣምላኽ የስተብህለለይ ድዩ፧ ከም ውልቀሰብ መጠን ብዛዕባይ ይግደስዶ ኢዩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን። ከምቲ ቐጺልና እንርእዮ: ንኽንኣምን ብቑዕ ዝዀነ ምኽንያት ኣሎ።