ኣምላኽ: መንግስቲ: ከምኡውን ንስኻ
“ኣብቲ ንፍትሕ ዝምልከት ኣብ ኣየርላንድ እተገብረ ናይ ህዝቢ ውሳነ: ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ተጋጭዮም ”
እዚ ኣብ ኒው ዮርክ ታይምስ ዝወጸ ኣርእስቲ እዚ: ሰባት ኣብ መንጎ እቲ መንግስቲ ዝደልዮን ቤተ-ክርስትያኖም እትምህሮን ንዝህሉ ምርጫ: ብኸመይ ክጋጠምዎ ከም ዘለዎም ዘርኢ ኢዩ።
እታ ዓንቀጽ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ኣብዛ ብዙሓት ካቶሊክ ዘለውዋ ኣየርላንድ: ነቲ ኣብ ቅዋማ ዘሎ ንፍትሕ ዝኽልክል ሕጊ ይልገስዶ ወይስ ኣይልገስ ዝብል ሓሳብ ንምውሳን ናይ ህዝቢ ውሳነ ቅድሚ ምክያዱ: ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣብ መንጎ ናይ መንግስቲ መራሕትን ናይ ቤተ-ክርስትያን መራሕትን ገለ ዘይምቅዳው ተፈጢሩ ኣሎ።” እቲ መንግስቲ ንፍትሕ ዝኽልክል ሕጊ ይልገስ ዝብል ሓሳብ ከቕርብ ከሎ: እታ ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ግን ፍትሕን እንደገና ምምርዓውን ኣትሪራ ኢያ እትቃወም። እቶም ደቂ ኣየርላንድ ካቶሊክ ድማ ካብ መንግስትን ቤተ-ክርስትያንን ንሓዲኡ ክመርጹ ነበሮም። ከምቲ ዳሕራይ እተራእየ ድማ እቲ መንግስቲ ብጸቢብ ፍልልይ ተዓወተ።
ኣዝዩ ዘገርም ድማ: እቶም ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ዘለዉ ሰባት ንብዙሕ ዓመታት ብዛዕባ ሃገራዊ ሉዓላውነት መሪር ግጭት ነይርዎም ኢዩ። ብዙሓት ተቐቲሎም ኢዮም። ናይ ሮማ ካቶሊክ ኣመንትን ፕሮተስታንትን ነየናይ መንግስቲ ክግዝኡ ከም ዘለዎም ማለት ኣብ ሰሜናዊ ኣየርላንድ ናይ ብሪጣንያ መግዛእቲ ይቐጽልዶ ወይስ ንምልእቲ ኣየርላንድ ዝሓቍፍ ማእከላዊ መንግስቲ ይቑም ኣብ ዝብል ጕዳይ ኣንጻር ዝዀነ ሓሳባት ኢዩ ዘለዎም።
ብተመሳሳሊ ድማ: ኣብ ዩጎዝላቭያ ነበር እቶም ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ሰበ-ስልጣናት: ንካቶሊክን ኦርቶዶክስን ሓዊስካ: ነቶም ናይ እተፈላለየ እምነታት ኣባላት ምእንቲ ዶብ ኢሎም ክዋግኡ ደሪኾምዎም ኢዮም። ንገምጋም ቍጽሪ ዜጋታት: እቲ ናይ መጀመርያ ግዴታኦም ክኸውን ዘለዎ ንመን ኢዩ፧ ነቶም ንመንግስቲ ንውክል ኢና በሃልቲ ድዮም ክስዕቡ ዘለዎም ወይስ ነቲ “ኣይትቕተል . . . ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ” ዝበለ ኣምላኽ ኢዮም ክእዘዝዎ ዘለዎም፧—ሮሜ 13:9
እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ፈጺሙ ከም ዘይትንክፈካ ገይርካ ትሓስብ ትኸውን። ክትንክፈካ ግን ይኽእል ኢዩ። አረ: ሕጅውን ከይተረፈ የገድሰካ ኢዩ። ናይ ሃይማኖት ምሁር ኦስካር ኩልማን ኣብታ ዘ ሰተይት ኢን ዘ ኒው ተስታመንት (እንግሊዝኛ) እትበሃል መጽሓፉ ብዛዕባ “ዘመናውያን ክርስትያናት ጨቈንቲ ዝዀኑ ምምሕዳራት ከጕባዕብዑሎም ከለዉ ኣብ ትሕቲ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት ኰይኖም ክገብርዎ ዘለዎም ወይ ድማ ክገብርዎ ዝሕተቱ ናይ ሞት ወይ ህይወት ውሳነ” ከም ዘሎ ይዛረብ። ይኹን እምበር: ብዛዕባ “እቲ ብማዕሪኡ ሓቅን ኣገዳስን ዝዀነ ሓላፍነት: ሓደ ሰብ ክርስትያን ብምዃኑ ጥራይ ዝወርዶ: እሞ ኸኣ ክጋጠሞን ክምልሰሉን ዘለዎ ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን—ናይቲ ኣብ ትሕቲ ‘ልሙድ:’ ‘መዓልታዊ’ ዘጋጥም ኵነታት ዝነብር ክርስትያን እውን ከይተረፈ—ከቢድ ግድል” እውን ተዛሪቡ ኢዩ።
ስለዚ እምበኣር: እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ርክብ ሎሚ ንክርስትያናት ከገድሶም ዘለዎ ጕዳይ ድዩ፧ ብርግጽ ከገድሶም ኣለዎ። ካብ ቀደም ጀሚሮም: ክርስትያናት ብዛዕባ ዓለማውያን ሰበ-ስልጣናት ሚዛናዊ ዝዀነ ኣረኣእያ ንኸጥርዩ ጽዒሮም ኢዮም። መራሒኦም የሱስ ክርስቶስ: ብናይ ሮሜ መንግስቲ ተፈሪዱ: ተዀኒኑ: ከምኡውን ተቐቲሉ ኢዩ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ነቲ ክርስትያናዊ ግዴታኦም ምስቲ ንናይ ሮሜ ሃጸይ ክገብርዎ ዝነበሮም ግቡእ ከሰማምዕዎ ነበሮም። ስለዚ ነቲ ምስ ሰበ-ስልጣናት ዝነበሮም ርክብ ደጊምካ ምርኣዩ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት መምርሒ ክኸውን ይኸእል ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Tom Haley/Sipa Press