ካብ ህጻንነቶም ጀሚርኩም ኣለማምድዎም
ዘመናዊ ምርምር “ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዘለዉ ህጻናት ንድምጺ ስነ-ኣካላዊ ምላሽ ከም ዝህብሉ” ይሕብር። ናይ ሰሜን ካሮሊና ዩኒቨርሲቲ ተመራመርቲ “ከም ዝረኸብዎ እተን ንውሉዳተን ኣብ ማህጸን ከለዉ ዘንብባሎም ዝነበራ ኣዴታት: ምስ ተወልዱ እቲ ሓሳባት ድማ እንደገና ምስ ተነበ ምላሽ ሂቦምሉ ኢዮም” ይብል ዊኒፔግ ፍሪ ፕረስ (እንግሊዝኛ)። ኣንስቲ ብጥኑሳተን ዓው ኢለን ዘንብባ እንተድኣ ኰይነን: እዚ ኣብቲ ቈልዓ ጽቡቕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ንኽትከል ኣጸቢቑ ኣስተዋጽኦ ይገብር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ጢሞቴዎስ ‘ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ካብ ሕጻንነቱ ይፈልጦ’ ከም ዝነበረ ይነግረና። (2 ጢሞቴዎስ 3:14, 15 ትሓዓ ) ኣዲኡን ዓባዩን ነቲ ዓው ኢልካ ምንባብ እውን ዘጠቓልል ክኸውን ዝኽእል ካብ ህጻንነቱ ጀሚርካ ናይ ምልምማድ ጥቕሚ: ተገንዚበናኦ ከም ዝነበራ እተረጋገጸ ኢዩ።
ምንባብ “ሎሚ ኣብ ማሕበረሰብና ዝርከብ እቲ ኣዝዩ ዝሓየለ ናይ ህይወት ክእለት” ኢዩ ይብል ደራሲ ጂም ትረሊስ። ናይ ቋንቋን ናይ ቃላትን ክእለት ዓው ኢልካ ብምንባብ ይዓቢ ኢዩ።
ንህጻንኪ እንተወሓደ ከተዘራርብዮ ምስ ጀመርኪ ብኡንብኡ ዓው ኢልኪ ምንባብ ክትጅምርሉ ጥበባዊ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ኣብ መጀመርታ እቲ ዘይተወልደ ወይ ከኣ ሓድሽ እተወልደ ቈልዓኺ ነቲ እትብልዮ ዘይርድኦ እንተዀነ: እቲ ንመጻኢ ክህልዎ ዝኽእል ረብሓታት ግን ክቡር ኢዩ። ምሳሌ 22:6 “ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ አረገ ኻብኣ ኣይኬግልስን እዩ” ትብል።
እንታይ ዓይነት ተግባራውን ጠቓምን ዝዀነ ጽሑፍ ኢኺ ከተንብብሉ እትኽእሊ፧ ንቘልዓኺ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዓው ኢልኪ ኣንብብሉ። ብተወሳኺ ከም እኒ ነቲ ዓቢ መምህር ምስማዕ: መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት: ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ዝወጹ ዓንቀጻት ዝኣመሰሉ ካልኦት ጠቐምቲ ጽሑፋት ኣንብብሉ።
ርእስኻ በዚ መገዲ እዚ ምውፋይ ግዜ ዝሓትት እኳ እንተዀነ እቲ ዝጠፍእ ግዜ ግን ኣብ ረብሓ ኢዩ ዝጠፍእ። ንውሉድካ ከም እትሓልየሉን ከም እተፍቅሮን ከተርእየሉ እትኽእል ግሉጽ መገዲ ኢዩ።