ዓለማዊ ውሕስነት መግቢ ተረጋጊጹ—በየናይ መገዲ፧
ናይቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲ.ሲ. ዝርከብ ዎርልድዎች ኢንስቲትዩት ፕረዚደንት ለስተር ብራውን “ነቲ ኣብዚ ክፍለ-ዘበን እዚ ዝነበረ መብዛሕትኡ ውሕስነት መግቢ ንምዕቃብ እቲ እንገብሮ ዅሉ ጻዕሪ ኣኻሊ ከይከውን ይኽእል ኢዩ” ብምባል ይዛረብ። ብመሰረት ኒው ሳይንቲስት እተባህለ መጽሔት: ምጅማር ናይ 1995 ናይ ዓለም ተኸዚኑ ዘሎ እኽሊ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ናብ ዘይፈልጥ 255 ሚልዮን ቶን—ንህዝቢ ዓለም ን48 መዓልትታት ጥራይ ክምግብ ዝኽእል—ወረደ። ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ዓመታት እቲ ተኸዚኑ ዘሎ ናብ ናይ 60 መዓልቲ ቀለብ ምስ ወረደ: እቲ ቐረብ እንደገና ክብ ንምባሉ ተኻኢሉ ነበረ። ሕጂ ግን ዎርልድዎች በቲ ምድሪ ናይ ምፍራይ ዓቕምታታ እንደገና ንኽትመልስ ዘለዋ ክእለት ኣይተኣማመንን ኢዩ ዘሎ።
ድሕሪ ውሑድ ፍርያት እተረኽበሉ ናይ ሰለስተ ዓመት እቶትን ምስ ምብዛሕ ናይተን ንኸብቲ ዝኸውን እኽሊ ዘዘውትራ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራትን: ነቶም ከም ቀንዲ መግቦም ዝደልይዎ ድኻታት ዝኸውን እኽሊ ውሑድ ኢዩ ዘሎ። ኒው ሳይንቲስት እቲ ኵነታት ቀልጢፉ ኣቓልቦ እንተ ዘይተገይርሉ: እቶም 70 ሚእታዊት ናይ ኣታዊኦም ኣብ መግቢ ዘውዕልዎ ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጥሜት ክወድቁ ኢዮም ኢሉ የጠንቅቕ።
መጽሓፍ ቅዱስ: ተቐማጦ ምድሪ ኣብ ግዜና ‘ጥሜት’ ከጋጥሞም ምዃኑ ኣቐዲሙ ተዛረቡ ነይሩ ኢዩ። (ሉቃስ 21:11) ኣምላኽ ግን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘይግደስ ኣይኰነን። ብርግጽ: መንግስቱ ንጕዳያት ምድሪ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽራ ምስ ገበረቶ ኣምላኽ ብናይ ወድሰብ መዓት ከም ዝግደስ ብዝዓበየ ክርአ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ‘ምድሪ ፍሬኣ ክትህብ’ ኢያ። “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን [ኢዩ]።” (መዝሙር 67:6፣ 72:16) ሽዑ እዚ ዝስዕብ ንፈጣሪ ዝምልከት ትንቢታዊ ቃላት ክፍጸም ኢዩ:- “ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን: . . . ለሴታትውን እኽሊ ይጕልበብ።”—መዝሙር 65:9, 13
እዚ ዘደንቕ መብጽዓ እዝስ ይማርኸካዶ ኢዩ፧ ኣብዚ ብኸመይ ክትካፈል ከም እትኽእል ክትፈልጥ ትደሊዶ ኢኻ፧ እምበኣር ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤትካ ክበጽሑኻ ከለዉ ብዛዕባ እዛ መብጽዓ ተገይሩላ ዘሎ ገነት ክነግሩኻ ተወከሶም።
[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
እተደረበት ንእሽቶ ስእሊ:- Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.