ማእለያ ዘይብሉ መጻሕፍቲ!
እቲ ጥንታዊ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን “መጻሕፍቲ ምጽሓፍ መወዳእታ የብሉን” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 12:12) ኣብ ውሽጢ 1995 ኣብ ብሪጣንያ: ንነፍሲ ወከፍ 580 ዝዀኑ ሰባት ሓንቲ መጽሓፍ ተሓትመት። እዚ ኸኣ ነታ ሃገር: ሓደስቲ እተፈላለየ ኣርእስቲ ዘለዎ መጻሕፍቲ ብምሕታም ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ይገብራ። እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ቻይና: ምስቲ ናይ ብሪጣንያ 95,015 ሕታማት ክወዳደር ከሎ እቲ ዝነበራ 92,972 ሕታማት ካልኣይቲ ይገብራ። ጀርመን (67,206 እተፈላለየ ኣርእስቲ ዘለዎ መጻሕፍቲ) ደድሕሪአን ክትከውን ከላ: ቀጺላ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (49,276): ደድሕሪኣ ኸኣ ፈረንሳ (41,234)። ዘ ደይሊ ቴሌግራፍ እተባህለ ናይ ለንደን ጋዜጣ “እቲ ንብሪጣንያ ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ገይርዋ ዘሎ ምኽንያት: ቋንቋ እንግሊዝ ጥራይ ኢዩ” ይብል።
ናይ መጻሕፍቲ ምሻጥ ዕዳጋ ንሓያለይ ዓመታት ከንቈልቍል ከም ዝጸንሐ ጸብጻባት ይሕብሩ: ሕጂ ኸኣ እሞ ኣብ ብሪጣንያ ካብቶም በጽሕታት 80 ካብ ሚእቲ ጥራይ ኢዮም ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ መጻሕፍቲ ዝዕድጉ። ሰባት ንዅሉ እቲ ዝገዝእዎ መጻሕፍቲ ግን የንብብዎ ድዮም፧
እቲ ብሰፊሑ ዝዝርጋሕን ዝንበብን ዘሎ እንኮ መጽሓፍ: መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ: ኣብዚ ግዜ እዚ ገለ ክፋሉ ወይ ብምሉኡ ብልዕሊ 2,120 ቋንቋታት ክርከብ ይከኣል። ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ ቅዳሕ ዘይብልካ እንተ ዄንካ: ንኽትረክብ ናብቲ ዝቐርበካ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሓፍ። መጽሓፍ ቅዱስ እንተድኣ ኣሎካ: ነቲ ኣብ ዓንቀጻት ናይዚ መጺሔት እዚ ዝወጽእ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥቕስታት ገንጺልካ ኣንብቦ። ከምኡ ምስ እትገብር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ህይወት ዝህብ ፍልጠት ክትረኽቦ ኢኻ።