ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ኣብ ማላዊ ምጽማም ናብ በረኸት የሆዋ መርሐ
ዮሴፍ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 11:22) ሓለፍ ዝበለ ምጽማም ዝነበሮ ሰብ እውን ኢዩ ነይሩ። ሽሕ እኳ በቶም ኣሕዋቱ እንተ ተጠልመ: ክልተ ግዜውን ናብ ባርነት እንተ ተሸጠ: ከምኡውን ጸኒሑ ናይ ሓሶት ክሲ ተኸሲሱ ናብ ቤት ማእሰርቲ እንተ ተደርበየ: ዮሴፍ ተስፋ ኣይቈረጸን። ኣብ ክንድኡስ: በረኸት የሆዋ ብትሕትና ብምጽባይ: ነተን ናይ መከራ ዓመታት ብትዕግስቲ ተጸሚምወን ኢዩ።—ዘፍጥረት 37:23-28, 36፣ 39:11-20
ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ኣብ ማላዊ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንበረኸት የሆዋ ብትዕግስቲ ተጸብዮም ኢዮም። እዞም ክርስትያን መሰኻኽር እዚኣቶም: ን26 ዓመታት መንግስታዊ እገዳ: ሕሱም ምጽራር: ከምኡውን ሓያሎ ግፍዕታት ተጸመሙ። እንተዀነ ግን እቲ ምጽማሞም ዓስቢ ኣምጺእሎም ኢዩ!
ኣብ መወዳእታ 1967 ኣብ ማላዊ መስጐግቲ ክጅምር ከሎ: ዳርጋ 18,000 ዝኣኽሉ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣስፋሕቲ ነበሩ። እቶም መሰኻኽር ኣብ መጀመርታ ናይ 1997 ናይ ኣገልግሎት ዓመት እቲ ዝለዓለ ቝጽሪ ኣስፋሕቲ ካብቲ እገዳ ዝጀመረሉ ዓመት ልዕሊ ዕጽፊ ማለት 38,393 ከም ዝነበሩ ምስ ፈለጡ እተሰምዖም ሓጐስ እሞ ገምቶ። ብተወሳኺውን: እቲ ኣብ 13 ቦታታት ማላዊ እተገብረ “ልኡኻት ኣምላኻዊ ሰላም” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝነበረ ቍጽሪ ተኣከብቲ ልዕሊ 117, 000 በጺሑ ኢዩ። ብሓቂ: የሆዋ ንእምነቶምን ነቲ ዘርኣይዎ ምጽማምን ባሪኹዎ ኢዩ።
ተሞክሮ ናይ ሓደ ማቻካ ዝስሙ ወዲ 14 ዓመት: ኣብነት ናይዚ በረኸት እዚ ኢዩ። ማቻካ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት ክገብር ንዝቐረበሉ ዕድመ ምስ ተቐበሎ: ወለዱ ኣዝዮም ሰምበዱ። “ምስክር ክትከውን እንተድኣ ደሊኻ: ካብ ገዛ ክትወጽእ ኣለካ” ድማ በልዎ። ይኹን እምበር: እዚ ምፍርራህ እዚ ጽንዓቱ ንኸይቅጽል ኣይዓንቀፎን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ወለዱ ንዅሉ ክዳውንቱ ኣግደፍዎ። እቶም ኣሕዋት ግን ገለ ክዳውንቲ ዓደግሉ። ወለዱ ድማ እዚ ምስ ፈለጡ: “እቶም መሰኻኽር ዝድግፉኻ እንተድኣ ዀይኖም: ካብዚ ወጺእካ ኪድ ምስኦም ተቐመጥ” በልዎ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብጥንቃቐ ድሕሪ ምሕሳብ: ካብ ገዛ ወጸ: ሓንቲ ኣባል ናይቲ ኣብቲ ኸባቢ እትርከብ ጉባኤ ዝዀነት ናይ መሰኻኽር ስድራቤት ድማ ናብ ገዝኣ ወሰደቶ።
ወለዱ ንማቻካ ኣዝዮም ስለ እተቘጥዑ: ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈጺሞም ምእንቲ ከይራኸቡ ካብቲ ከባቢ ክርሕቁ ወሰኑ። ልክዕ ኢዩ: ማቻካ በዚ ተጨኒቑ ኢዩ: እንተዀነ ግን እቶም ኣሕዋት ነታ ኣብ መዝሙር 27:10 ዘላ “ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ: እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ” እትብል ጥቕሲ ምስኡ ምስ ተመያየጡላ ብዙሕ ምጽንናዕ ረኸበ።
ጸኒሖም ግን ወለዲ ማቻካ ክልስልሱ ጀመሩ: ንሱ ድማ ናብ ገዝኡ ክምለስ ወሰነ። እቲ ወዶም ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝገበሮ ውሳነ ሓያል ጽልዋ ከም ዘሕደረሎም ርዱእ ኢዩ: ምኽንያቱ ንሳቶምውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ደለዩ! ኣብቲ “ልኡኻት ኣምኻዊ ሰላም” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ሰለስቲአን መዓልቲ እውን ተኻፈሉ: ድሕሪ እቲ ኣኼባ ድማ “ብሓቂ: ማሕበር ኣምላኽ እዚኣ ኢያ” ኢሎም ንኽዛረቡ ተለዓዒሎም ኢዮም።
ልክዕ ኢዩ: ምጽራር ጥዑም ኣይኰነን: እሙናት ልኡኻት ኣምላኽ ግን ተስፋ ኣይቈርጹን ኢዮም። ‘ጸበባ ምጽማም: ምጽማም ድማ ብግዲኡ ስምረት ከም ዘፍሪ’ ብምፍላጥ: ብትብዓት ይቕጽሉ ኢዮም። (ሮሜ 5:3, 4 NW ) ኣብ ማላዊ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ምጽማም ናብ በረኸት ኣምላኽ ከም ዝመርሕ ብልክዕ ከረጋግጹ ይኽእሉ ኢዮም።