ሃይማኖታት ዓለምለኻዊ ሰላም ከምጽኣዶ ኢየን፧
ካብ 28-31 ነሓሰ 2000: ካብ 73 ሃገራት ዝመጹ ልዕሊ 500 ተወከልቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ተኣኪቦም ነበሩ። ኣብ ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት “ናይዚ ሽሕ ዓመት ዓለምለኻዊ ዋዕላ ሃይማኖታውያንን መንፈሳውያንን መራሕቲ” ንምክያድ ኢዮም ተኣኪቦም። ካብዞም መራሕቲ ብዙሓት ዕማመት ዝገበሩ: ሊላ ዝሕብሩ ባርኖስ እተኸድኑ: ኣብ ኣራእሶም ክንቲት ዝገበሩ: ወይ ገፈፍ ዝብል ጸሊም ካባ ዝደረቡ ኰይኖም ንእተፈላለያ እምነታት ዝውክሉ ነበሩ። ካብዘን እምነታት እዚኣተን ባሃኢ: ቡድሂዝም: ሂንዱዝም: ምስልምና: ጀይኒዝም: ኣይሁድነት: ሺንቶ: ሲኪዝም: ታኦይዝም: ዞሮስትራኒዝም: ከምኡውን ሃይማኖታት ህዝበ-ክርስትና ይርከባአን።
እቶም ተወከልቲ ካብቲ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝወሰደ ዋዕላ እተን ናይ መጀመርታ ክልተ መዓልቲ ኣብ ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተኣከቡ። ይኹን እምበር: እቲ ዋዕላ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይኰነስ ብእተፈላለያ ትካላት እተወደበ ወይ እተመወለ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ሰበ-ስልጣን ው.ሕ.ሃ. ኰኑ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ንድኽነት: ዓሌታውነት: ኣከባብያዊ ጸገማት: ውግእ: ከምኡውን ነቲ ጃምላዊ ጥፍኣት ዘውርድ ኣጽዋር ንምውጋድ ብሓባር ክዓዩ ከም ዘለዎም መደረ ኣቕሪቦም ኢዮም።
እቶም ተወከልቲ ኣብቲ “ቃል ኪዳን ንዓለምለኻዊ ሰላም” ዘርእስቱ ሰነድ ክታሞም ኣንቢሮም ኢዮም። እቲ ሰነድ ዓመጽን ውግእን “ሓድሓደ ግዜ ብስም ሃይማኖት እተፈጸመ” ምዃኑ ኣፍልጦ እኳ እንተሃበ: እቶም ክታሞም ዘንበሩ “ምእንቲ ሰላም ኣብ ምስራሕ . . . ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክተሓባበሩ” ምዃኖም ገሊጹ ኢዩ። ይኹን እምበር: እዚ ብኸመይ ከም ዝፍጸም ብዝርዝር ዝገልጽ ሓባራዊ ውሳነ ግን ኣይወጸን።
ኣብታ ኻልኣይቲ መዓልቲ: ዋና ጸሓፊ ናይቲ ዋዕላ ባዋ ጀይን ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ዝተዓዘቦ ቅብኣ ዘለዎ ሓሳባት ብምግላጽ ነቲ መኽፈቲ መደርኡ ደምደመ። እቲ ቅብኣ ናይ ሓደ ካብ ቁመት ህንጻ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝነውሕ ሰብኣይ ዘርኢ ኢዩ። እቲ ሰብኣይ ከም ንማዕጾ ነቲ ህንጻ እናዃሕኵሖ ኸሎ ኢዩ ተሳኢሉ። ኣብ እግሪ እቲ ስእሊ “መስፍን ሰላም” ዝብል ጽሑፍ ነበሮ። ሚስተር ጀይን ከምዚ በለ:- “[ነቲ ቅብኣ] ርእይ ምስ ኣበልክዎ ዓሚቝ ጦብላሕታ ኣሕደረለይ። እንታይ ማለት ምዃኑ ንእተፈላለዩ ሰባት ሓተትኩ። ሎሚ መልሲ ናይዚ ዝረኸብኩ ይመስለኒ። መንፈሳውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ ናይ ዓለም ኣብዚ ምእካብኩም: እቲ ማዕጾ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝዅሕኵሕ ዘሎ መስፍን ሰላም ከም ዝዀንኩም ገይረ ኢየ ዝርእዮ።”
መጽሓፍ ቅዱስ ግን እተፈልየ ኣረኣእያ ኢዩ ዘለዎ። መስፍን ሰላም የሱስ ክርስቶስ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጽ። ዓለምለኻዊ ሰላም ዘምጽእ ድማ ብናይ ዓለም ፖለቲካውያን ወይ ሃይማኖታውያን መራሕቲ ኣቢሉ ዘይኰነስ ብመንግስቲ ኣምላኽ ገይሩ ኢዩ። ንእዙዛት ደቅሰብ ምሉእ ብምሉእ እተሕብሮምን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ እትፍጽምን እውን እዛ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እዚኣ ኢያ።—ኢሳይያስ 9:6፣ ማቴዎስ 6:9, 10