‘ፍቕርና ዝያዳ ኢዩ ደልዲሉ’
ዓርቢ 31 መጋቢት 2000 ኣብ ሆካይዶ: ጃፓን: ዝርከብ እምባ ኡሰ ን23 ዓመታት ተደጒሉ ድሕሪ ምጽናሕ እሳተ-ጎመራ ነተጐ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቐማጦ ኸኣ ኻብቲ ሓደገኛ ዞባ ኽሃድሙ ተገደዱ። ብዙሓት ኣባይቶምን ስርሖምን ሰኣኑ: እቲ ዘሐጕስ ግን ዋላ ሓደ ሰብ ኣይሞተን። ካብቶም ካብቲ ዞባ ዝሃደሙ ሰባት 46 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነበሩ: እንተዀነ ግን ካብ ካልኦት ሓገዝ ረኺቦም ኢዮም።
በታ እቲ እሳተ-ጎመራ ዝነተጐላ መዓልቲ ብሓገዝ ኣብቲ ኸባቢ ዘገልግል ገያሺ ተዓዛቢ ናይ ረድኤት ንጥፈታት ተወደበ። ነዊሕ ከይጸንሐ ኻብተን ጐረባብቲ ጉባኤታት ረድኤት ክመጽእ ጀመረ። ኣብ ትሕቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ጃፓን ኮሚተ ረድኤት ብኡንብኡ ተመስረተ: ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ብዙሕ ረድኤት ወፈዩ። ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ንምሕጋዝ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብቲ ብዙሕ ጕድኣት ዝወረደን ጉባኤታት ተላእኩ: እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ድማ ስምዒታውን መንፈሳውን ደገፍ ንምሃብ ናብቲ ቦታ ብተደጋጋሚ ምብጻሕ ገበረ።
ኣብቲ ሓደገኛ ዞባ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዝሓሸ ድሕንነት ዘለዎ ኸባቢ ኣብ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ክርስትያናዊ ኣኼባታቶም ቀጸሉ። ሰባት ናብቲ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝርከቦ ሓደገኛ ዝነበረ ኸባቢ ክምለሱ ምስ ተፈቕደ: ኣሕዋት ናብቲ ኸባቢ ተመልሱ እሞ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ቐኒኑን ነቓቒዑን ጕድኣት ወሪድዎን ጸንሖም። ካብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ሓደ ኣፍ እሳተ-ጎመራ ኣጸቢቑ ይተክኽ ነበረ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ‘ኣብዚ ኸባቢ ኣኼባታት ክንገብርሲ ጥበባዊ ድዩ፧ እዚ ኣደራሽ መንግስቲ ኽንጽግኖዶ ንኽእል ኢና፧’ ኢሎም ሓሰቡ።
ካብቲ ኸባቢ ብዙሕ ኣብ ዘይርሕቕ ቦታ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ንምህናጽ ውሳነ ተገብረ። ከባብያዊ ናይ ህንጻ ኮሚተ ዘድሊ ሓገዝ ገበረሎም። ኣብ መላእ እታ ሃገር ካብ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዋጽአ ገንዘብ ነዚ ዕዮ ህንጸት እዚ ተጠቕምሉ። መሬት ብቕልጡፍ ረኸቡ: ብዙሓት ወለንተኛታት ስለ ዝመጹ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ሓድሽ ኣደራሽ መንግስቲ ተሃንጸ። ሰንበት 23 ሓምለ 2000 ኣብቲ ሓድሽ እተሃንጸ ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ እተገብረ ናይ መጀመርታ ኣኼባ 75 ተኣከብቲ ነበሩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ተኣከብቲ ብሓጐስ ነቢዖም ኢዮም። በታ ዓመት እቲኣ ኣብ ጥቅምቲ እቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኽውፈ ኸሎ ሓደ ኻብቶም ሽማግለታት ናይታ ጉባኤ ከምዚ ዝስዕብ በለ:- “እቲ እሳተ-ጎመራ ብምንታጉ ሽግርን ጸበባን ኢና ረኺብና። እንተዀነ ግን: እዚ ዕዮ ህንጸት እዚ ንፍርህና ናብ ሓጐስ ቀየሮ። ንየሆዋን ነቶም ፍቑራት ክርስትያናት ኣሕዋትናን ዘሎና ፍቕሪ ብዝያዳ ኢዩ ደልዲሉ!”
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Eruption of Mount Usu: AP Photo/Koji Sasahara