‘ደጊ ሰበይቲ ኢኺ’
እዚ ናእዳ እዚ ንሓንቲ ሞኣባዊት መንእሰይ እተባህለላ ኢዩ። ንሳ ኸኣ እታ መበለት ዝነበረት ሩት: ሰበይቲ ወዳ ነታ እስራኤላዊት ናእሚ ኢያ። ሩት 3,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ኣብቲ መሳፍንቲ ዝገዝእሉ ዝነበሩ እዋን ኣብ እስራኤል ክትነብር ከላ ጽቡቕ ስም ኣጥርያ ኢያ። (ሩት 3:11) እዚ ጽቡቕ ስም እዚ ኸተጥሪ ዝኸኣለት ብኸመይ ኢያ፧ ካብ ኣብነታ ኽጥቀም ዝኽእልከ መን ኢዩ፧
ሩት “እንጌራ ትህኪት” እትበልዕ ሰብ ኣይነበረትን: ኣብ ክንድኡ ኣብ ግራት እናቐረመት ነዊሕ ሰዓታት ኢያ ትሰርሕ ነይራ። ከምዚ ዝኣመሰለ ትግሃት ስለ ዝነበራ ድማ ተናእደት። ንኽትዓርፍ ርእይቶ ምስ ተዋህባ እውን ከይተረፈ ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ ዓየየት። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓንቲ እትነኣድ: ወሓለን: ጻዕረኛን ሰበይቲ ዝጥቀመሉ መግለጺ እትበቅዕ ኢያ።—ምሳሌ 31:10-31፣ ሩት 2:7, 15-17
ንሩት ኣብቲ ህዝቢ ጽቡቕ ስም ከም ዝህልዋ ዝገበረ ቐንዲ ምኽንያት መንፈሳዊ ባህርያታ ማለት ትሕትናኣን ጥቕሚ ርእሳ ምስዋኣን ፍቕራን ኢዩ። እንደገና ሓዳር መስሪታ ቐሲና ንኽትነብር ዘለዋ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ጸቢብ ክነሱ ወለዳን ዓዳን ሓዲጋ ምስ ናእሚ ለገበት። ምስናይዚ እውን ንየሆዋ: ነቲ ሓማታ ናእሚ እተምልኾ ዝነበረት ኣምላኽ: ንምግልጋል ዝነበራ ባህጊ ገሊጻ ኢያ። ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሩት ዝነበራ ቑም ነገር ከጕልሕ ከሎ ንናእሚ “ኻብ ሾብዓተ ወዲ እትበልጽ” ኰይናታ ከም ዝነበረት ይሕብር።—ሩት 1:16, 17፣ 2:11, 12፣ 4:15
እቲ ሩት ዝነበራ ዝነኣድ ባህርያት ኣብ ቅድሚ ሰባት ከም እትምጐስ እኳ እንተ ገበራ: እቲ ዝያዳ ኣገዳስነት ዝነበሮ ግን ኣምላኽ ብባህርያታ ምሕጓሱን እናሓጐ የሱስ ክርስቶስ ንኽትከውን ከኣ መሰል ምሃቡን ኢዩ። (ማቴዎስ 1:5፣ 1 ጴጥሮስ 3:4) ሩት ንክርስትያን ኣንስቲ ጥራይ ዘይኰነትስ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ነምልኽ ኢና ዝብሉ ከመይ ዝበለት ሰናይ ኣብነት ኰን ኢያ!