ትፈልጥዶ፧
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣብ ክንዲ ብኖራ ብቕጥራን ገይሮም ዚሰርሑ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
▪ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ንግንቢ ባቤል ዚሃንጹ ዝነበሩ ሰባት፡ “ኣብ ክንዲ ብእምኒ ብጡብ፥ ኣብ ክንዲ ብጸብሪ ድማ ብቕጥራን ገይሮም ሠርሑ” ይብል።—ዘፍጥረት 11:3፡ ትርጕም 1990።
ቅጥራን ብባህርያዊ መገዲ እዩ ዚርከብ። ኣብ መሶጶታምያ ኸኣ ኣብ ብዙሕ ቦታታት እዩ ዚርከብ፣ ምንጩ ድማ ነዳዲ ዘይቲ እዩ፣ ካብ ውሽጢ ምድሪ ናብ ላዕሊ ብምውጻእ ከኣ ይረግእ። ቅጥራን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንመጣበቒ ይውዕል ነበረ። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ቅጥራን፡ “ብሕጡብ ንዚስራሕ ህንጻታት ዚምሽእ ከም ዝነበረ” ገሊጹ ኣሎ።
ኣርኪዮሎጂ ኣብ እትብሃል መጽሔት ዝወጸ ዓንቀጽ፡ ኣብዚ ቐረባ እዋን ናብቲ ኣብ መሶጶታምያ ኣብ ጥንታዊት ከተማ ኡር ዚርከብ ፍርስራስ እቲ ኣብ ባቢሎን ዝነበረ ቐንዲ ቤተ መቕደስ ብዛዕባ እተገብረ ምብጻሕ ሓቢሩ ነበረ። ኣዳላዊ እታ ዓንቀጽ፡ “ቅጥራን ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ዒራቕ ዚርከብ ሰፊሕ ናይ ነዳዲ ቦታታት ኣብ ጥቕሚ ዚውዕል ኰይኑ፡ ሕጂ እውን ኣብ ውሽጢ እቲ ዝነደደ ሕጡብ ይርአ እዩ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን ከምዚ በለ፦ “ሎሚ እዚ ኣብዚ ኸባቢ እዚ ዓመጽን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ከም ዚፍጠር ገይሩ ዘሎ ናይ ምጥባቕ ባህሪ ዘለዎ ጸሊም ውሁድ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንስልጣነ ቓል ብቓሉ ኣጣቢቕዎ ነይሩ እዩ። ሃነጽቲ ነቲ ሱመርያውያን ብጭቃ ዚሰርሕዎ ዝነበሩ ብቐሊሉ ዚስበር ሕጡብ ብቕጥራን ገይሮም ምጥባቖምን ብእኡ ገይሮም መገዲ ምስራሖምን፡ ነቲ ሕጡብ ማይ ከም ዘየሕልፍ ገይርዎን ክሳዕ ሎሚ ንኺጸንሕ ሓጊዙን እዩ።”
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ “ወረቐት” እንታይ ዓይነት እዩ ነይሩ፧
▪ መብዛሕትኡ ግዜ እዚ ሕቶ እዚ ዚለዓል፡ ብምኽንያት እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዮሃንስ ዝበሎ እዩ፣ ንሱ፡ “ናባኻትኩም ዝጽሕፎ ብዙሕ ነገር ነይሩኒ ኽነሱ፡ ብወረቐትን ብቐለምን ክጽሕፎ ኣይፈቶኹን” በለ።—2 ዮሃንስ 12።
እታ ኣብዚ “ወረቐት” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ቓል፡ ብግሪኽኛ ካርተስ እያ እትብሃል፣ ነቲ ኻብ ባሕሪ ዚርከብ “ፓፒሩስ” ዚብሃል ተኽሊ ድማ እያ እተመልክት። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ ካብ ጕንዲ እዚ ተኽሊ እዚ ንመጽሓፊ ዚኸውን ነገር ብኸመይ ይስራሕ ከም ዝነበረ ኺገልጽ ከሎ ኸምዚ በለ፦ “ሰለስተ ሜተር ዚኸውን ንውሓት ዘለዎ ጕንዲ ይቕረፍ እሞ፡ ኣቕጥን ኣቢልካ ይጭደድ፣ እቲ እተጨድደ ድማ በብቐጸላታት ጌርካ ብሓደ ይድረብ፣ ድሕሪኡ ብዕንጨይቲ ብእተሰርሐ ሞደሻ ይውቃዕ፣ ኣብ መወዳእታ ብመልሓጊ ጌርካ ኸም ዚለምጽ ይግበር።”
ተመራመርቲ ስነ ጥንቲ፡ ኣብ ግብጽን ኣብ ከባቢ ምዉት ባሕርን፡ ሓያሎ ጥንታዊ ሰነዳት ፓፒሩስ ረኺቦም እዮም። ገሊኡ ኣብዚ ኸባቢ እተረኽበ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ዝሓዘ ፓፒሩስ፡ ብግዜ የሱስ ወይ ቅድሚኡ እተጻሕፈ እዩ። ከም ሃዋርያት ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ ዝጸሓፍዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ደብዳበታት፡ ኣብ ፓፒሩስ ይጸሓፍ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Spectrumphotofile/ photographersdirect.com
© FLPA/David Hosking/age fotostock