ሕቶታት ኣንበብትና
ኣምላኽ፡ ኣምለኽቱ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ጥራይ ኪምርዓዉ ዚደሊ ስለምንታይ እዩ፧
▪ እቲ ኣምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ዝሃቦም ሕጊ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ዚምልከት፡ “ኣይትዋሰቦም፤ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ” ዚብል ትእዛዝ ዜጠቓልል ነበረ። (ዘዳግም 7:3, 4) ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምስ ካልኦት ኣህዛብ ከይዋሰቡ ዝኸልከሎም ስለምንታይ እዩ፧
የሆዋ ኸምኡ ዝገበረሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ሰይጣን ንህዝቢ ኣምላኽ ኬበላሽዎምን ኣምለኽቲ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ኺገብሮምን ከም ዚደሊ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ብዛዕባ እቶም ዘይኣምኑ ኼጠንቅቖም ከሎ፡ “ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ኻብ ምስዓበይ ይመልሶም” ዝበሎም። ስለዚ፡ እስራኤላውያን ኣብ ሓደጋ እዮም ነይሮም። ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኼምልኹ እንተ ጀሚሮም፡ ስምረትን ዕቝባን ኣምላኽ እዮም ዚስእኑ፣ ከም ሳዕቤኑ ኸኣ፡ ብቐሊሉ ብጸላእቲ ኺጥቅዑ ይኽእሉ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙ ድማ፡ ከመይ ገይሮም እዮም ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ኬፍርዩ ዚኽእሉ፧ ብንጹር እምበኣር፡ ሰይጣን ንእስራኤላውያን ምስ ዘይኣምኑ ኣህዛብ ንኺዋሰቡ ኼስድዖም ዝፈተነ ብምኽንያት እዩ ነይሩ።
ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምስ ካልኦት ኣህዛብ ከይዋሰቡ ዝኸልከለሉ ኻልእ ምኽንያት፡ ንህዝቡ ብደረጃ ውልቀ ሰብ ስለ ዚግደሰሎም እዩ። ሓጐሶምን ድሕንነቶምን ኣብቲ ምስኡ ዘለዎም ጥብቂ ርክብ እተመስረተ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። እሞኸ፡ የሆዋ፡ ምስ ዘይኣማኒ ምምርዓው ሓደገኛ ምዃኑ ምግላጹ ግቡእ መሰረት ዘለዎ ድዩ፧ ንንጉስ ሰሎሞን እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ። ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ንዘይኣምኑ ምምርዓው ዝሃቦ፡ “ንሳቶም ንልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም” ዚብል መጠንቀቕታ ይፈልጦ ነይሩ እዩ። ኣዝዩ ጥበበኛ ስለ ዝነበረ፡ ምኽሪ ኣምላኽ ዘየድልዮን እቲ ማዕዳ ንዕኡ ዘይምልከቶን ኰይኑ ተሰሚዕዎ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ ማዕዳ ድማ ዕሽሽ በሎ። እሞኸ ውጽኢቱ እንታይ ኰነ፧ “እተን ኣንስቱ ንልቡ ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኣዘንበላኦ።” ክሳዕ ክንደይ ዜሕዝን ኰን እዩ! ሰሎሞን ስምረት የሆዋ ሰኣነ፣ እቶም ህዝቢ ድማ ብሰሪ ዘይተኣማንነቱ ተኸፋፈሉ።—1 ነገስት 11:2-4, 9-13።
ገሊኦም ሰባት፡ ካብ ኣህዛብ እተመርዓዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ዝነበሩ ይዛረቡ ይዀኑ። ንኣብነት፡ እቲ እስራኤላዊ ዝነበረ ማሕሎን፡ ንሩት እታ ሞኣባዊት ተመርዓዋ፣ ንሳ ኸኣ እተደንቕ ኣማኒት ኰነት። ኰይኑ ግና፡ ማሕሎን ሞኣባዊት ሰበይቲ ምምርዓዉ፡ ሓደገኛ ምርጫ እዩ ነይሩ። ማሕሎን ከምኡ ብምግባሩ ኣይተናእደን፣ ሩት ኣምላኺት የሆዋ ቕድሚ ምዃና ገና ብንእስነቱ ሞይቱ ኪኸውን ኣለዎ። ኪልዮን ሓው ማሕሎን እውን፡ ነታ ኻብ “ኣምላኻ” ኽትፍለ ዘይደለየት ዖርጳ ተመርዓዋ። ቦኣዝ ግና ንሩት፡ ኣማኒት ካብ እትኸውን እተወሰነ እዋን ጸኒሑ እዩ ተመርዕይዋ። ኣይሁድ እውን እንተ ዀኑ ጸኒሖም፡ ንሩት ከም “ፍጽምቲ ጵሮሴሊት” ገይሮም እዮም ዚርእይዋ ነይሮም። መውስቦ ሩትን ቦኣዝን ንኽልቲኦም በረኸት እዩ ነይሩ።—ሩት 1:4, 5, 15-17፣ 4:13-17።
እሞኸ ኸም ናይ ማሕሎንን ሩትን ዝኣመሰለ ኣብነታት ምስቲ የሆዋ ዝሃቦ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ጥራይ ክንምርዖ ዚምዕድ ምኽሪ ኸም ዚጋጮ ጌርካ ምሕሳብ ጥበባዊ ድዩ፧ ከምኡ ኢልካ ምሕሳብ፡ ናብ ሓደ ተጣሊዑ ዝሰዓረ ሰብ እናኣመልከትካ፡ ድራር ዕለት ንኽትረክብ ኢልካ ምጥላዕ ቅኑዕ ምዃኑ ኸም ምዝራብ እዩ ዚኸውን።
መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት፡ “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኪምርዓዉ እዩ ዚምሕጸኖም። “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ኢሉ እውን የጠንቅቖም እዩ። እዚ ምኽሪ እዚ፡ ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ መጻምድቲ ዜናድዩ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚምልከት እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ድሮ ንዘይኣምን እተመርዓዉ ክርስትያናት ኣብ ኣጸጋሚ ዅነታት ኪሕግዞም ዚኽእል ምኽሪ እውን ይህብ እዩ። (1 ቈረንቶስ 7:12-16, 39፣ 2 ቈረንቶስ 6:14) እዚ ዅሉ ምኽሪ፡ እቲ መስራቲ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ፡ ንጽል ንኹን ምርዑዋት፡ ሕጉሳት ክንከውን ከም ዚደልየና ዜርኢ እዩ።