ሕቶታት ኣንበብትና
ኣምላኽ፡ ብርቱዓት ንድኹማት ኪገፍዕዎም ዚፈቅድ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብርቱዓት ንድኹማት ከም ዝገፍዕዎም ዚገልጽ ዜሕዝን ጸብጻባት ኣሎ። ነቲ ንናቦት ዘጋጠሞ ነገር ከም ኣብነት ክንጠቕሶ ንኽእል ኢና።a እቲ ኣብ ዓስራይ ዘመን ቅ.ክ. ንጉስ እስራኤል ዝነበረ ኣከኣብ፡ ኢዛቤል ሰበይቱ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ንኸተውህቦ ኢላ ንናቦትን ንደቁን ከተቕትሎም ከላ ስቕ ኢሉ ረኣያ። (1 ነገስት 21:1-16፣ 2 ነገስት 9:26) ኣምላኽ፡ ኣከኣብን ኢዛቤልን ንስልጣኖም ብዘይ ግቡእ ኪጥቀሙሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧
“ኪሕሱ ዘይክእል ኣምላኽ።”—ቲቶስ 1:2
ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት እስከ ነተኵር፣ ንሱ ኸኣ፡ ‘ኣምላኽ ኪሕሱ ኣይክእልን እዩ’ ዚብል እዩ። (ቲቶስ 1:2) እዚ እሞ ምስ ግፍዒ እንታይ ኣራኺብዎ፧ ካብ ፈለማ ኣትሒዙ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ፡ ካብኡ ምዕላው ሳዕቤን ከም ዘለዎ፡ ንሱ ኸኣ ሞት ምዃኑ ኣጠንቂቕዎም ነይሩ እዩ። ልክዕ ከምቲ ዝበሎ ኸኣ፡ ኣብ ገነት ኤድን ዕልወት ካብ ዜጋጥም ንነጀው፡ ሞት ክፍሊ ህይወት ደቂ ሰብ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ብመጀመርታ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ሞት እውን እንተ ዀነ፡ ብግፍዒ እዩ ተፈጺሙ። ከመይሲ፡ ቃኤል ንሓዉ ኣቤል ቀቲልዎ እዩ።—ዘፍጥረት 2:16, 17፣ 4:8።
ቃል ኣምላኽ ነቲ ኻብቲ እዋን እቲ ኣትሒዙ ዝነበረ ሰብኣዊ ታሪኽ ብሓጺሩ ኺገልጾ ኸሎ፡ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ” እዩ ዚብል። (መክብብ 8:9) እሞኸ እዘን ቃላት እዚአን ተፈጺመንዶ፧ የሆዋ ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን፡ ነገስታቶም ከም ዚጭቍንዎምን ናብኡ ኸም ዜእውዩን ኣጠንቂቕዎም ነበረ። (1 ሳሙኤል 8:11-18) እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ንጉስ ሰሎሞን እውን እንተ ዀነ፡ ነቶም ህዝቢ ብዙሕ ግብሪ የኽፍሎም ነበረ። (1 ነገስት 11:43፣ 12:3, 4) ከም እኒ ኣከኣብ ዝኣመሰሉ እኩያት ነገስታት እሞ ኸኣ፡ ዝገደዱ እዮም ነይሮም። ስለዚ እምበኣር፡ ኣምላኽ ንዅሉ እዚ እተጠቕሰ መግዛእቲ ደው እንተ ዜብሎ ነይሩ፡ ብተዘዋዋሪ መገዲ ቓሉ ብምዕጻፍ ሓሳዊ ደይኰነን ዚኸውን፧
“ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ዚስልጥነሉ ጊዜ አሎ።”—መክብብ 8:9
ብዘይካዚ፡ ሰይጣን ንሰባት፡ ንኣምላኽ ብጥቕሚ ኸም ዜገልግልዎ ገይሩ ኸም ዝኸሰሶም ዘክር። (እዮብ 1:9, 10፣ 2:4) ኣምላኽ ንዅሎም ኣገልገልቱ ኻብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ግፍዒ እንተ ኣዕቊብዎም፡ ንኽሲ ሰይጣን ዚድግፍዶ ኣይኰነን፧ ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ ንዅሎም ሰባት ካብ ኵሉ ዓይነት ግፍዒ እንተ ተኸላኺሉሎም፡ ብዝገደደ ሓሶት ደይኰነን ተሓታቲ ዚኸውን፧ ንሰባት እንተ ኣዕቊብዎም፡ ብዙሓት ሰባት፡ ደቂ ሰብ ብዘይ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሶም ኪገዝኡ ኸም ዚኽእሉ ገይሮም ኪሓስቡ ይኽእሉ እዮም። ብኣንጻሩ ግና፡ ቃል ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ንገዛእ ርእሶም ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ ፈጺሙ ኸም ዘይብሎም እዩ ዚገልጽ። (ኤርምያስ 10:23) ናይ ግድን መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ኣለዋ፣ ድሕሪኡ እዩ ግፍዒ ኺጠፍእ ዚኽእል።
ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ኣምላኽ ንግፍዒ ብዚምልከት ዋላ ሓንቲ ኣይገብርን እዩ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። እቲ ንሱ ዚገብሮ ኽልተ ነገራት እስከ ንርአ፣ ቀዳማይ፡ ንግፍዒ የቃልዖ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ እቲ ኢዛቤል ንናቦት ዝገበረቶ ነገራት ብዝርዝር ይገልጽ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነዚ ዅሉ እከይ ዚሕተተሉ፡ ሓደ መንነቱ ኺሓብእ ዚደሊ ሓያል ገዛኢ ምዃኑ ይሕብር እዩ። (ዮሃንስ 14:30፣ 2 ቈረንቶስ 11:14) ንሱ ድማ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። ኣምላኽ ንእከይን ንግፍዕን ምስናይ እቲ ናይ ሓቂ ምንጩ ብምቅላዕ፡ ካብ እከይ ንኽንርሕቕ ይሕግዘና እዩ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ነቲ ንሱ ዚህበና ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኸይንእስኖ የዕቍበና።
ካልኣይ፡ ኣምላኽ፡ ግፍዒ ኸም ዜኽትም ዚገልጽ ዜተኣማምን ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ንኣከኣብን ንኢዛቤልን ኰነ ንኻልኦት ከማታቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ዘቃለዓሉን ዝፈረደሉን ዝቐጸዓሉን መገዲ፡ በቲ ንዅሎም እኩያት ከም ዚቐጽዖም ዝሃቦ ተስፋ ኸም እንተኣማመን እዩ ዚገብረና። (መዝሙር 52:1-5) ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ፡ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንዅሉ እቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ዜፍቅርዎ ሰባት ዝወረደ እከይ ከም ዜጥፍኦ ዚገልጽ ዜተኣማምን ተስፋ ሂቡና ኣሎ።b ኣብቲ እዋን እቲ፡ እቲ እሙን ዝነበረ ናቦትን ደቁን፡ ኣብታ ግፍዒ ዘይብላ ገነት እትኸውን ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።—መዝሙር 37:34።
a ኣብዛ ሕታም እዚኣ ዘላ፡ “ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ” እትብል ዓንቀጽ ርአ።