ገበር | ንቕኑዓት ሰባት ሕማቕ ነገራት ዜጋጥሞም ስለምንታይ እዩ፧
ኣምላኽ ንእከይ እንታይ ኪገብሮ እዩ፧
መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ነቲ ብሰንኪ ሰይጣን ድያብሎስ ዚወርድ ዘሎ መከራ እንታይ ከም ዚገብርዎ ብንጹር ይሕብረና እዩ። “[የሱስ] ወዲ ኣምላኽ . . . ግብሪ ድያብሎስ ምእንቲ ኼፍርስ እዩ እተጋህደ” ድማ ይብል። (1 ዮሃንስ 3:8) እዚ ሕጂ ዘሎ ኣብ ስስዐን ጽልእን እከይን እተመስረተ ስርዓት ዓለም፡ ኪጠፍእ እዩ። ብመሰረት እቲ የሱስ ዝኣተዎ መብጽዓ ኸኣ፡ እቲ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ፡ “ንወጻኢ ኺድርበ እዩ።” (ዮሃንስ 12:31) ድሕሪኡ፡ ካብ ጽልዋ ሰይጣን ናጻ ዝዀነትን ጽድቂ ዚነብረላን ሓዳስ ዓለም ክትመጽእ እያ፣ ኣብ ምድሪ ድማ ሰላም ኪሰፍን እዩ።—2 ጴጥሮስ 3:13።
እቶም ንመገዶም ብዘይምቕያር ዚሕንግዱን ሕማቕ ነገራት ምግባሮም ዚቕጽሉን ሰባትከ እንታይ ኪዀኑ እዮም፧ ነዚ ዚስዕብ ንጹር መብጽዓ እሞ ሕስብ ኣብለሉ፦ “እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ፡ እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ፡ . . . ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ፡ እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።” (ምሳሌ 2:21, 22) ስለዚ፡ ጽልዋ እኩያት ሰባት ኪጠፍእ እዩ። ድሕሪኡ፡ ሰላማዊ ዅነታት ስለ ዚሰፍን፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ቀስ ብቐስ ካብቲ ኻብ ኣዳም ዝወረስዎ ዘይፍጽምና ሓራ ኺወጹ እዮም።—ሮሜ 6:17, 18፣ 8:21።
ኣብ ሓዳስ ዓለም፡ ኣምላኽ ንእከይ ዜጥፍኦ ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣጥፊኡ፡ ንደቂ ሰብ ልክዕ ከም ሮቦት ብምግባር ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንእዙዛት ደቂ ሰብ ብዛዕባ መገድታቱ ኺምህሮም፡ ካብ ጐዳኢ ሓሳባትን ተግባራትን ንኺርሕቁ ድማ ኪሕግዞም እዩ።
ኣምላኽ ንዅሉ ጠንቂ መከራ ኼጥፍኦ እዩ
ኣምላኽ ንሃንደበታዊ ሓደጋታትከ እንታይ ኪገብሮ እዩ፧ መንግስቱ ድሕሪ ቐረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸም እትገዝእ ተመባጺዑ ኣሎ። ንጉስ እታ መንግስቲ እቲኣ፡ የሱስ ክርስቶስ እዩ፣ ንሱ ንሕሙማት ናይ ምሕዋይ ሓይሊ ኣለዎ። (ማቴዎስ 14:14) ንተፈጥሮ ናይ ምቍጽጻር ሓይሊ እውን ኣለዎ። (ማርቆስ 4:35-41) ስለዚ፡ ብ“ጊዜን ኣጋጣምን” ዚመጽእ መከራ ኣይኪህሉን እዩ። (መክብብ 9:11) ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ፡ ንደቂ ሰብ ሓደጋታት ኣይኬጋጥሞምን እዩ።—ምሳሌ 1:33።
ብዛዕባ እቶም ብዜሕዝን መገዲ ዝሞቱ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባትከ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧ የሱስ ነቲ ፈታዊኡ ዝነበረ ኣልኣዛር ካብ ሞት ቀቅድሚ ምትንሳኡ፡ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ” በለ። (ዮሃንስ 11:25) እወ፡ የሱስ ንምዉታት ኬተንስኦም ወይ ናብ ህይወት ኪመልሶም ዜኽእሎ ሓይሊ ኣለዎ።
ቅኑዓት ሰባት ኣብ ሓንቲ ሕማቕ ነገራት ፈጺሙ ዘየጋጥመላ ዓለም ከም ዚነብሩ ዚገልጽ ሓሳብ እንተ ስሒቡካ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ብዛዕባ ዕላማኡን ንምፍላጥ ንምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጽንዕ፧ ኣብ ከባቢኻ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ፍልጠት ንኽትረኽቦ ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ምሳታቶም ንኽትራኸብ ወይ ከኣ ናብ ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ ንኽትጽሕፍ ብኽብሪ ንዕድመካ።