“እምነት ካብ ምስማዕ እያ”
1 ‘ንህይወት ዘለኣለም እተመደበ [“ዝበቅዕ:” ትሓዓ ]’ ሰብ ምስ እንረክብ: በቲ ዝሰምዖ ገይርና ንእምነቱ ከነበርትዓ ኣድላዪ ኢዩ። (ግብ. 13:48፣ ሮሜ 10:17) ከምዚ ንምግባር: ነቶም መጽሔታት ዝዓደልናዮም ሰባት እቲ ሓድሽ ሕታማት ምእንቲ ክንህቦም ተመሊስና ክንበጽሖምን ተወሳኺ ዝርርብ ክንገብርን ኣሎና። ኣብቲ ተገዳስነት እተረኽበሉ: ናይ ጽሑፋት ምዝገባ ክግበር ይከኣል ኢዩ። ይኹን እምበር: በታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ: መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር: ወይ ብምንባር ተሓጐሱ እትበሃል ብሮሹር ገይርኩም ጽንዓት ናይ ምጅማር ሸቶ ዘክርዎ። ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል ገለ ርእይቶታት ድማ እንሆ:-
2 በታ “ነቲ ንጉስ ዘለኣለም ወድስዎ!” እትብል ዓንቀጽ ተዛራሪብካ እንተድኣ ነይርካ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከሎኻ ከምዚ ኢልካ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ከመይ ውዒልካ፧ ኣብ ዝሓለፈ ክንዘራረብ ከሎና: ኵሉ ዝኽእል ሓደ ኣምላኽ ከም ዘሎ ዘረጋግጽ ብዙሕ መርትዖታት ርኢና ነይርና። ይኹን እምበር: ከም ዘሎ ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ስሙ ክንፈልጥ የድልየና ኢዩ። ንኣምላኽ መን ኢልካ ኢኻ እትጽውዖ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሚልዮናት ሰባት ብሕታዊ ኣስማት ዘይኰኑ መዓርጋት ብምጥቃም ‘ጐይታ’ ወይ ‘ኣምላኽ’ ኢሎም ይጽውዕዎ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ኣምላኽ ብስሙ ክንፈልጦ ኢዩ ዝደልየና። [መዝሙር 83:18 ኣንብብ።] ከምዚ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ዘሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት ይነግረና ኢዩ።” ነቲ ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ: ነቲ ስእለ-ጽሑፍ ድማ ኣንብበሉ። ነተን ኣብ ምዕራፍ 3 ዘለዋ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ቍጽርታት ምስ ተዛራረብኩምለን: ጽንዓት ክትጅምር ትኽእል ኢኻ!
3 ነቶም በታ “ናይ ዓለም ሃይማኖታት ስለምንታይ ከም ዝጠፍኣ” እትብል ዓንቀጽ ተዘራሪብካዮም ዝነበርካ ሰባት: ነቲ ተገዳስነት ከምዚ ብምባል ክትከታተሎ ትኽእል:-
◼ “ነታ ዓንቀጽ ድሕሪ ምንባብካ: ንዅለን ሃይማኖታት ብሓደ ዓይኒ ክንርእየን ከም ዘይንኽእል ምስ ተረዳእካ ተገሪምካ ትኸውን ኢኻ። ክልቲኡ ማለት ሓቀኛ ሃይማኖትን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ኣሎ። እዚ ድማ: ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧ ዝብል ክውንነታዊ ሕቶ የልዕል ኢዩ። እቲ መልሲ ብየሱስ ተዋሂቡ ኢዩ: ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ድማ ጐሊሑ ኣሎ።” ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ገጽ 5 ገንጽል እሞ: ንዮሃ. 4:23, 24 ሓዊስካ ንቍጽሪ 4 ኣንብባ። ድሕርዚ “ናጻ ዝዀነ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ዲኻ፧” ኢልካ ሕተቶ። እቲ መልሲ ኣወንታዊ እንተድኣ ዀይኑ: ምዕራፍ ሓደ ገንጺልካ ጽንዓት ጀምር።
4 ኣብታ ናይ 22 ሚያዝያ “ንቕሑ!” ተገዳስነት እንተድኣ ተራእዩ ነይሩ: መጽሓፍ “ፍልጠት” ገይርካ ጽንዓት ምእንቲ ክትጅምር እዚ ኣቀራርባ እዚ ክትፍትን ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብ መወዳእታ ውግእ ዘይብላ ዓለም ንምርኣይ ብዛዕባ ዘሎና ተስፋ ተዘራሪብና ከም ዝነበርና ትዝክሮ ትኸውን። እታ ዓለም እቲኣ እንታይ ከም እትመስል ንምግማት ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣብዚ ሓደ ሰኣሊ ብዛዕባኣ ዘለዎ ምርዳእ እንሆ። [ነቲ ኣብ ገጽ 188-9 ናይ መጽሓፍ ፍልጠት ዘሎ ስእሊ ኣርእዮ።] ነዚ ከባቢታት እዚ ክትሕጐሰሉ ክትክእልሲ ባህ ዘብልዶ ኣይኰነን፧ [ናብ ገጽ 4-5 ገንጺልካ ነቲ ስእሊ ኣርእዮ: ነቲ ሳጹን ድማ ኣንብቦ።] እዚ ኣርእስቲ ናይዛ መጽሓፍ ምስቲ ኣብ ዮሃ. 17:3 ዘሎ ናይ የሱስ ቃላት ዝመሳሰል ኢዩ። [ኣንብቦ።] ፍቓድካ እንተድኣ ዀይኑ: ነቲ ህይወት ዘድሕን ፍልጠት ምእንቲ ክትረኽቦ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ መጽሓፍ ቅዱስካ ገይርካ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ከርእየካ ምፈቶኹ።” እቲ በዓል ቤት ፍቓደኛ እንተድኣ ኰይኑ: ብምዕራፍ ሓደ ገይርካ ጽንዓት ጀምር።
5 ኣብ መጀመርታ ክትበጽሕ ከሎኻ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ሰብ ረኺብካ እንተድኣ ነይርካ: ክትምለስ ከሎኻ ከምዚ ክትብል ትኽእል ኢኻ:-
◼ “ኣብዚ ቐረባ ግዜ መጺአካ ነይረ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ቅዳሕ ድማ ገዲፈልካ ነይረ። እዚ መጽሔታት እዚ ንመጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ንሱ ዝህቦ ናይ ስነ-ምግባር መምርሒታትን ዘሎካ ክብሪ ዘዕቢ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ቃል ኣምላኽ ክርዳእ ኣድላዪ ኰይኑ ስለ እተሰማዓኒ: ከምኡ ንኽትገብር ዝሕግዘካ ገለ ነገር ከርእየካ ኢለ ኢየ እንደገና መጺአ ዘሎኹ።” መጽሓፍ ፍልጠት ኣርእዮ: ነቲ ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ትሕዝቶ ድማ ሓብሮ። ኣየነይቲ ኣርእስቲ ዝያዳ ከም እተገድሶ ሕተቶ እሞ: ኣብኣ ገንጺልካ ድማ ጽንዓት ጀምር።
6 ንኻልኦት ሰባት ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ‘ደገ እምነት ክንከፍተሎም’ እንተድኣ ክኢልና ሓጐስና ዓቢ ክኸውን ኢዩ።—ግብ. 14:27፣ ዮሃ. 17:3