ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣብታ 25 ነሓሰ 2003 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዝውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 7 ሓምለ ኽሳዕ 25 ነሓሰ 2003 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዝወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ኣብ ኣገልግሎት ነቲ እትዛረቦ ሰብ ምጥማቱ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ [be ገጽ 125 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2፣ ገጽ 125 ሳጹን]
2. ናብ ኣገልግሎት ቅድሚ ምኻድካ ትጭነቕ እንተ ዄንካ: ነዚ ንምውጋድ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧ [be ገጽ 128 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5]
3. ኣብ መድረኽ ኴንካ ዝርርብ ከተቕርብ ከለኻ: ህያው ጌርካ ንኸተቕርቦ ዝሕግዘካ እንታይ እዩ፧ [be ገጽ 129 ሕጡብ ጽሑፍ 2፣ ገጽ 129 ሳጹን]
4. ኣብ ዘሌዋውያን 16:4, 24, 26, 28፣ ዮሃንስ 13:10፣ ከምኡውን ራእይ 19:8 ዝርከብ መሰረታዊ ስርዓታት ኣብ ትርኢትና እንታይ ጽልዋ እዩ ኽህልዎ ዝግባእ: እዚኸ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 131 ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ገጽ 131 ሳጹን]
5. ትሑትን ‘ብምቕጻዕ ነፍሱ’ ዝመላለስን ሰብ ከመይ ምዃኑ ግለጽ። (1 ጢሞ. 2:9, 10፣ ትርጕም 1990 እውን ርአ።) [be ገጽ 132 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ክርስትያናት ንሓድሕዶም ክጸዋወሩ እኳ እንተለዎም: ንምንታይ ግን እዮም ክጻወርዎ ዘይግባእ፧ (ቈሎ. 3:13) [w01 15/7 ገጽ 22 ሕጡብ ጽሑፍ 6-7]
7. ቅኑዕ ወይ ጌጋ:- ተርታዊ ቝጽሪ ምሉእ ቍጽሪ እዩ። ግለጽ። [si ገጽ 282 ቍ. 24-5]
8. ቃል ኣምላኽ ንምንባብ ክህልወና ዝኽእል ብሉጽ ድራኸ እንታይ እዩ: እዚ ድራኸ እዚኸ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 24 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
9. ጥበበኛ ሰብ ‘ፍልጠት ዝእርንብ’ ብኸመይ እዩ፧ (ምሳ. 10:14) [w01 15/7 ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 4-5]
10. እቲ እዮብ ዝነበሮ ጽቡቕ ልማድ ክትኰረሉ ዝግባእ ስለምንታይ እዩ፧ (እዮብ 1:1, 8፣ 2:3) [w01 1/8 ገጽ 20 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. እቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል: ኣመንቲ ኣህዛብ ምድሓን ንኽረኽቡ ኽግዘሩ ኸም ዘየድልዮም ኣብ ዝገብርዎ ውሳነ ‘ኽሰምሩ’ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ (ግብ. 15:25)
12. የሆዋ ንሕጊ ሙሴ ሰሪዝዎ ኽነሱ: ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ንጳውሎስ እተወሰነ ኽፋል እቲ ሕጊ ኽፍጽም ክሓትዎ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ (ግብ. 21:20-26) [it-1 ገጽ 481 ሕጡብ ጽሑፍ 3 እንግሊዝኛ፣ it-2 ገጽ 1163 ሕጡብ ጽሑፍ 6–ገጽ 1164 ሕጡብ ጽሑፍ 1 እንግሊዝኛ]
13. ሃዋርያ ጳውሎስ እተኸሰሉ ኣየናይ ክስታት እዩ ኣብዚ ግዜና ንዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኽሰሱሉ ነጥብታት ዘዘኻኽረና፧ (ግብ. 24:5, 6) [w01 15/12 ገጽ 22 ሕጡብ ጽሑፍ 7–ገጽ 23 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
14. ጳውሎስ ኣብ ሓደ ኽፍሊ ንኽልተ ዓመት ተኣሲሩ ኸሎ: ከም ሰባኺ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ኣብነት ዝገደፈልና ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 28:30, 31)
15. “ስልጣናት” ክፍሊ “ስርዓት ኣምላኽ” ዝዀኑ ብኸመይ እዮም: እዚኸ ንክርስትያናት ብኸመይ ክጸልዎም ይግባእ፧ (ሮሜ 13:1, 2) [w00 1/8 ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 5]