ቅንኣትና ኽንዕቅበሉ እንኽእል መገዲ
1 እቲ ኣጵሎስ ኣገልግሎቱ ንኺፍጽም ዜርእዮ ዝነበረ ቕንኣት: ነቶም ሎሚ ብፍላይ ኣብ ዕዮ ስብከት ብቕንኣት ዚዓዩ ክርስትያናት የዘኻኽረና። (ግብ. 18:24-28) ኵላትና: “ንምትጋህ ኣይትተሀከዩ: ብመንፈስ ተቓጸሉ” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና እዩ። (ሮሜ 12:11) ኣብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ቅንኣት ከነጥርን ክንዕቅቦን ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
2 ብፍልጠት እትዓቢ ቕንኣት:- የሱስ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ምስ ተራእዮምን ‘ነቲ ብዛዕባኡ ኣብ ኵሉ ጽሑፋት ዘሎ ምስ ተርጐመሎምን’: “ኣብ መገዲ ኺዛረበናን እተን ጽሑፋት ኪትርጕመልናን ከሎዶ ግዳ ልብና ይነደና ኣይነበረን፧” በሉ። (ሉቃ. 24:27, 32) ንሕናውን ብተመሳሳሊ: ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘሎና ምርዳእ ኪዓቢ ኸሎ ልብና ይነደናዶ ኸይኰነ፧ እወ: እምነት ብፍልጠት እያ እትዓቢ። ሮሜ 10:17 “እምነት ካብ ምስማዕ እያ” ትብል። ልብና ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ብዘሎና ምትእምማን ኪመልእ ከሎ: ብዛዕባ እቲ እተመሃርናዮ ምዝራብ ክንሓድግ ኣይኰነልናን እዩ።—መዝ. 145:7፣ ግብ. 4:20
3 ኣብ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ ኺዓብን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣት ኪሕይልን እንተ ዀይኑ: ኣብቲ ቕድሚ ሕጂ መጽናዕቲ ብምግባር ዝረኸብናዮ ፍልጠት ጥራይ ምሉእ ብምሉእ ክንምርኰስ ኣይንኽእልን ኢና። ንሓቂ ዘሎና ምርዳእ ከነስፍሖን ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ኸነዕምቖን ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ ግን: እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣገልግሎት ንማለቱ ጥራይ ኪኸውን እዩ። (ራእ. 2:4) ቃል ኣምላኽ: ‘ብፍልጠት ኣምላኽ እናዓበና ኽንከይድ’ እዩ ዚምሕጸነና።—ቈሎ. 1:9, 10
4 ናይ መጽናዕቲ ልማድና:- ስለዚ እምበኣር: ናይ መጽናዕቲ ልማድና ኽንምርምር ኣሎና። ንኣብነት: ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽናዕቲ ንዚውሰድ ዓንቀጽ ነቲ መልሲ ኽንሕንጽጸሉን ቅኑዕ መልሲ ኽንህብን ንኽእል ንኸውን። እንተዀነ ግን: ነቲ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕስታት ነንብቦን ኣብ ናብራና ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ነስተንትነሉን ዲና፧ ኣብቲ እንገብሮ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ኵነታትና ዜፍቅዶ እንተደኣ ዀይኑ ተወሳኺ ምርምር ንገብርን: ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ትምህርቲ ነስተንትነሉን ዲና፧ (መዝ. 77:11, 12፣ ምሳ. 2:1-5) ንቓል ኣምላኽ ምጽናዕን ምስትንታንን ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ዀን እዩ! (1 ጢሞ. 4:15, 16) ከምዚ ዝኣመሰለ ትርጕም ዘለዎ መጽናዕቲ: ንልብና ዜጽንዕን ‘ንሰናይ ግብሪ ቐናኣት’ ንኽንከውን ዜሐይልን እዩ።—ቲቶ. 2:14